ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከባቢ ዲጋ ተሃድሶ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 246 ሰራሕተኛታት ብዕጡቓት ኣምሓራ ተጨውዮም

RADIO ERENA – Monday, 11 March 2024

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ደቡብ፡ ዞባ ጋርዱላ፡ ኣብ መዓልታዊ ስርሓ ዝነጥፉ ዝነበሩ ልዕሊ 246 ሰባት ብዕጡቓት ኣምሓራ ከምዝተጨዩ ተሓቢሩ።

እቶም ኣብ ዞባ ጋርዱላ ዝተጨውዩ ሰባት፡ ብበዓል መዚ ዲጋ ተሃድሶን ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲን ኣብ ዝወጸ ጨረታ ምቑራጽ ኣግራብ ንኽዋፈር፡ ኣብ ትሕቲ ነቲ ዕዮ ክዓምም ዝተዓወተ ትካል ኒኮትካ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ስራሕ እናወፈሩ ብዕጡቓት ኣምሓራ ተጨውዮም ናብ ክልል ኣምሓራ ከምዝተወስዱ መግለጺ ህዝባዊ ርክባት ዞባ ጋርዱላ ይጠቕስ።

እቲ መግለጺ ናይቲ ዞባ ብተወሳኺ፡ ንምጭዋት እቶም ሰራሕተኛታት ብምኹናን ብዘይዝኾነ ጉድኣት ክፍትሑ ጸዊዑ።

ኣለ ኣብ ዝተባህለ ካልእ ዞባ ናይ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያውን 10ታት ሰባት ብተመሳሳሊ መንገዲ ተጨውዮም ከምዘለውዩ መርበባት ዜና ታ ሃገር ሓቢረን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ይቕጽል ኣሎ።

ስእሊ፦ ካብ ማሕበራዊ ሜድያ

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0