ኢትዮጵያን ሱዳንን ወትሃደራዊ ዝምድንኣ ንምሕያል ተወሳኺ ርክባት የካይዳ

ኢትዮጵያን ሱዳንን ወትሃደራዊ ዝምድንኣ ንምሕያል ተወሳኺ ርክባት የካይዳ

Radio Erena: 20 September 2017

General Samora Yonus

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝህሉ ወትሃደራዊ ዝምድና፣ ኣብቲ ዞባ ጸጥታን ርግኣትን ንምውሓስ ወሳኒ ምዃኑ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጸ፣ ብሓላፊ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 16 ሓባራዊ ወትሃደራዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምስታፍ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝበጽሓሉ’ዩ።

ፕረዚደንት በሽር ንጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣብ ድሕሪ ምዝርራቡ፣ ወትሃደራዊ ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን ንኻልኦት ሃገራት ከም ጽቡቕ ኣርኣይ ክጥቐስ ከምኽእል ሓቢሩ።

ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ጥቡቕ ወትሃደራዊ ዝምድናን ኣበርክቶ ኢትዮጵያ ኣብ ምውፋር ዓቃብ ሰላምን ኣብ ሱዳንን ንምምስጋንን ድማ ፕረዚደንት በሽር ኣብታ ሃገር ዝወሃብ ዝልዓለ ወትሃደራዊ ንሻን ንጀነራል ሳሞራ ዮኑስ ሸሊምዎ።

ወትሃደራዊ ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን በዚ ከይተሓጽረ፣ ናብ ዝልዓለ ንምብጽሑ ክስርሓሉ ምዅኑ ዝገለጸ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዓዋድ መሓመድ ቢን ዖውፍ ብወገኑ፣ እቲ ዝምድና ሓባራዊ ጸጥታዊ ዶብ ንምውሓስ ይኹን ምንቕስቓስ ተቓወምቲ ንምግታእ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት’ዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን፣ ጸጥታ ዶባት ንምውሓስ ምቛም ወትሃደራዊ ልፍንቲ፣ ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዛትን ካልእ ጉዳያትን ብምትኳር ከምዝተዘራረቡ ኣይርሳዕን።

ኢትዮጵያን ሱዳንን 727 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ሓባራዊ ዶብ ከምዘለወን ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0