‘ኢትዮጵያን ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ስምምዕ ባሕሪ፣ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት’ዩ’ ኣመሪካ

Radio Erena: Thursday, 18 January 2024

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝኸተሞ ስምምዕ ባሕሪ፣ ብስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ከምዝርአ ኣመሪካ ኣጠንቂቓ።

ኣፈኛ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ፣ ጆን ኪርቢ፣ ብሰሉስ 16 ጥሪ፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ካብ ሶማል ተፈልያ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር ዘቖመት ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ፣ ኣንጻር ሽበራ ንዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ቃልሲ ዝዕንቅፍዩ ክብል ኣስሚርሉ።

ሉኣላውነት ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ንክኽበር ኢና ንድግፍ ዝበለ እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን፣ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን በጺሐንኦ ዝብሃል ዘሎ ጸብጻባት ሃዋኺ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ፣ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ንምትግባር፣ ንርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ እንተሂባታ፣ ነቲ ኣብ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ዝካየድ ዘሎ ሓባራቂ ቃልሲ ከሰናኽል ከምዝኽእል ውን ጆን ኪርቢ ኣገንዚቡ።

ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ከቲመንኦ ዘለዋ ስምምዕ፣ ነቲ ድሮ ብኵናትን ደርቂን ዝሕመስ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ተወሳኺ ነውጺን ግጭታትን ከይሸሞ ይስጋእ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሳ፣ ርእሰ ከተማ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናብ ዝኾነት ሃርጌሳ እትበርር ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ክሊ ኣየር ሶማል ከይትሓልፍ ብፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተኸልኪላ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0