ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን እማመ ሰላም ሱዳን ኣደናጉዮም

Radio Erena: 12 July 2019

ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ንክልቲኦም ወገናት ሱዳን ኣብ ስምምዕ ዘብጸሐ እማመ ኣብ ዝተመደበሎም ግዜ ከምዘየቕረቡ ተገሊጹ።
ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ መሓመድ ሓሰን ላባት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ እማመ ንረቡዕ 11 ሓምለ ንክልቲኦም ወገናት ክወሃብ መደብ ወጺኡዎ እኳ እንተነበረ፣ ብተክኒካዊ ምኽንያት ኢሉ ዝገለጾ ንካልእ መዓልቲ ተናዊሑ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።
ንሱ ብተወሳኺ ንዝያዳ ምርድዳእ ምስ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ክዛተ ሙዃኑ ገሊጹ።
ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን እውን ኣብ ምትርጓም እቲ ሰነድ ንዝተፈጥረ ናይ ቃላት ምዝንባዕ ብዝምልከት ብዝያዳ ክዝትየሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።
ብ5 ሓምለ ክልቲኦም ወገናት ሱዳን ኣብ ምምቕራሕ ስልጣን ስምምዕ ምኽታሞም ዝዝከር’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0