ኢትዮጵያን ኣመሪካን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካዪዳ እየን

Radio Erena: 12 July 2019

ኢትዮጵያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከበን ብርክት ዝበላ ሃገራት ምዕራብን፣ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካዪዳ ሙዃነን ተገሊጹ።
እቲ ካብ ዕለት 15 ሓምለ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ወተሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ንዝዋፈር ዓቕሚ ሰራዊት ክብ ንምባል ዝዓለመ ምዃኑ፣ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት።
ኣብዚ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ፣ ከም ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን ኔዘርላንድስን ዝኣመሰላ ሃገራት ክሳተፎኦ እንከለዋ፣ ቤት ጽሕፈታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ቀይሕ መስቀልን ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ትካላት እውን ኣብቲ ልምምድ ክሳተፉ እዮም።
ንወጻታቱ ብዝምልከት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ 6 ሚልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዓትሉ ከምዘላ እቲ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ብተወሳኺ የመልክት።
እዚ ወተሃደራዊ ጥራይ ዘይኮነ ምስኡ ዝኸይድ ሎጂስቲካዊ ምምሕዳር እውን ዘጠቓልል ታዕሊም፣ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኬንያ፣ ሶማል፣ ዩጋንዳን ሩዋንዳን እውን ክሳተፋኦ እየን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0