‘ኢሳይያስ ካብ ስልጣን ክእለ ድሌትና እኳ እንተኾነ፣ ንኤርትራውያን ዝግደፍ እዩ’ ዶክተር ደብረጽዮን

Radio Erena: 03 July 2021

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ዳግማይ ክለዓል ይኽእል’ዩ ብምባል ኣብ ዘጠንቅቐሉ ዘሎ እዋን፣ ‘ብሓይሊ ዝተመንዘዐ መሬትና፣ ብሓይሊ ክንመልሶ ኢና’ ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ገሊጹ።

ንሱ ምስ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዘገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ‘ካብቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ብህይወት ዝወጽእ ይመስለኒ ኣይነበረን፣ እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ግና ህዝቢ ትግራይ ካብ ወረርቲ ናጻ ምውጽኡ እዩ’ ኢሉ።

ብፈደራል መንግስቲ ክወሃብ ንዝጸንሐ መግለጺታት ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ ዶክተር ደብረጽዮን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዕሸልነት ዘጥቀዖን፣ ተመኩሮ ዝጎደሎን መራሒ’ዩ፣ ንጉስ ንናይ ምዃን ሕልሙ ዕንቅፋት ንኾኖ ከምዘለና’ዩ ዝኣምን ኢሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ብወሃብ ቃል ሓይልታት ትግራይ ንኤርትራ ብዝምልከት ዝተዋህበ መግለጺ፣ ‘ኢሳይያስ ካብ ስልጣን ክእለ ድሌትና እኳ እንተኾነ፣ ንኤርትራውያን ዝግደፍ እዩ። ንሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ክወጽእ ግና ክሳብ ዶባት ክንደፍእ ኢና።’ ብምባል ዶክተር ደብረጽዮን ምላሽ ሂቡ።

ኣብ ኲናት ዝተማረኹ ልዕሊ 7 ሽሕ ወተሃደራት ፈደራል መንግስቲ፣ ብዘይካ’ቶም ብገበን ዝሕተቱ ሓለፍቲ፣ እቶም ዝተረፉ ነናብ ዓዶም ክፋነዉ ምዃኖም ይግለጽ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዚ ኣብ ትግራይ ተራእዩ ዘሎ ምቅይያር ሓይሊ ሚዛን፣ ነቲ ተሸጊሩ ዘሎ ሰላማዊ ህዝቢ ረዲኤት ኣብ ምብጻሕ ዝዓበየ ዕንቅፋት ክፈጥር ከምዝኽእል ሓቢሩ።

እኽሊ ዝጸዓነ ቃፍላይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብቲ ረዲኤት ዘድልዮ ህዝቢ ከይበጽሕ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ መንገዲ ተዓጊቱ ምቕናዩ እቲ ውድብ የመልክት።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ክሳብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸይድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያድ ንዘውጸኦኦ መግለጺ፣ ብወገን ሓይልታት ትግራይ እቲ መጽናዕቲ ወገናዊ እዩ ብምባል ከምዝነጸጉዎ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0