ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ንሓንቲ ካብ ናይ ንግዲ መራኽባ፣ ካብ ቅርሰና ባሕሪ ከምዘድሓነት ገሊጻ

Radio Erena: 14 August 2022
Iran fleetኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ህላዌ ኣብ እተስፍሓሉ ዘላ እዋን፣ ንሓንቲ ካብ ናይ ንግዲ መራኽባ፣ ካብ ቅርሰና ባሕሪ ከምዘድሓነት ገሊጻ።
ምኽትል ኣዛዚ ባሕርያ ኢራን፣ ኣድሚራል ሙስጦፋ ታጀዲኒ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሳላ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራኽብ ኲናት ምውፋርና፣ ካብ ሓደጋ ሰብን ንብረትን ድሒንና፣ ክብል ገሊጹ።
ኢራን ናይ ስለያን ኲናትን መራኽብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምውፋራ፣ ኣመሪካ ኣብ እትርከበን ሃገራት ምዕራብ፣ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ኣድሚራል ሙስጦፋ ኣብ መግለጺኡ፣ ብዛዕባ’ታ ካብ መጥቃዕቲ ዝደሓነት ዝበላ መርከብ ኮነ ጽዒናቶ ዝነበረት ንብረት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኢራን ንኣህጉራዊ ሕጊ ባሕርያ ተኸቲላ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስን ወሽመጥ ዓደንን ክካየድ ዝጸንሐ ቅርሰና ባሕሪ ብዓወት ክትከላኸሎ ጸኒሓ’ያ ዝብሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ታ ሃገር፣ ብሃገራት ምዕራብ ተቐባልነት ስኢኑ እዩ ጸኒሑ።
ብፍላይ ካብ ጂቡቲ ጀሚሩ ክሳብ ግብጺ ተዘርጊሑ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ማለት ኣንጻር ቅርሰና ባሕሪ ተዋፊሩ እኳ እንተሎ፣ ህላዌ ኢራንን ቻይናን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግና ከም ስግኣት እዩ ክረኣይ ጸኒሑን ዘሎን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0