ኢራን ንተቓወምቲ ሺዓ ናይ የመን ዘለዋ ደገፍ ብወግዒ ገሊጻ

ኢራን ንተቓወምቲ ሺዓ ናይ የመን ዘለዋ ደገፍ ብወግዒ ገሊጻ

Radio Erena: 21 October, 2014

Ayatho

ኢራን፣ ነቶም ኣብ ደቡባዊ የመን ዝግስግሱ ዘለዉ ተቓወምቲ ሺዓ ዘለዋ ደገፍ ብወግዒ ገሊጻ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣማኸርቲ መራሒ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣያቶላህ ኻሜናኢ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኢራን ቃልሲ ህዝቢ ሺዓ ናይ የመን ብወግዒ ከምእትድግፍ ኣፍሊጡ።

ብኣመንቲ ሽዓ ዝተዓብለለት ኢራን ነቶም ንከተማታት ሰንዓን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደብ ሖዴዳን ተቖጻጺሮም ናብ ካልኦት ከተማታት’ውን ዝግስግሱ ዘለዉ ተቓወምቲ ሁቲ ከምእትድግፍ ብወግዒ ምግላጻ፣ ስዑዲ ዓረብ ንእትርከበን ሃገራት ወሽመጥ ኣሻቒሉ ምህላዉ’ውን ተንተንቲ የመልክቱ።

 

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር መዚዛ ዘላ የመን ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ሓድሽ መንግስቲ ከተቕውም ትጽቢት እኳ እንተሎ፣ ዝበዝሐ ነባሪ እታ ሃገር ግጭት ክሃድእ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሓድሽ ዝተመዘዘ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ካልድ ባሃህ ኣቐዲሙ ዝነበሮ መዝነት ኣምባሳደር ‘ታ ሃገር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣረኪቡ ትማሊ ናብ ከተማ ሰንዓ ኣብ ዝኣተወሉ’ውን ኣብ ሰንዓ ከቢድ ቶኽሲ ይስማዕ ምንባሩ’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንኣልጀዚራ ሓቢሮም።

ተቓወምቲ ሺዓ፣ ኣብ ሰንዓ ንዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ኣመሓዳሪ ከተማ ሰንዓ ከምዝደብደቡ ዝሓበረ ጸብጻብ ኣልጀዚራ፣ ዋላ’ኳ ስምምዕ ምቑራጽ ተዅሲ እንተኸተሞ እቶም እቶም ተቓወምቲ ናብ ካልኦት ከተማታት ምግስጋስ ግና ይቕጽሉ ምህላዎም ኣፍሊጡ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0