ኢራን፣ ብሰንኪ ስዑዲ ዓረብ ዝኸሰረቶ ዝምድና ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ንምትክኡ ትጽዕር

ኢራን፣ ብሰንኪ ስዑዲ ዓረብ ዝኸሰረቶ ዝምድና ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ንምትክኡ ትጽዕር

Radio Erena: 04 August 2016

Iran

ድሕሪ ናይ የመን ኩነታት፣ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድናኣ ዛሕቲሉ ዝርከብ ኢራን፣ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ናይ ዲፕሎማስን ቁጠባን ዝምድና ንምምስራት ተበግሶታት ትወስድ ምህላዋ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ሓቢሮም።

እቶም ተንተንቲ ነዚ ዝሕብሩ ዘለዉ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢራን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብሰንበት 31 ሓምለ ብናይጀርያ ዑደቱ ዝፈለመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢራን ናብ ጋና፣ ጊኒን ማልን’ውን ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

እቲ ልኡኽ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዘካይዶ ምብጻሕ፣ ኣብ ንግድን ወፍርን ከምኡ ድማ ኣብ ዲፕሎማሲ ዘተኮረ ዝምድናታት ንምምስራት ምስ መራሕቲ እተን ሃገራት ሓያሎ ውዕላት ክኽትም ትጽቢት ይንበረሉ።

ኢራን ኣብ ኣፍሪቃ፣ ናብተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ኤርትራ፣ ሱዳንን ጅቡትን ኣተኵራ እኳ እንተነበረት፣ ኣብ የመን ኣንጻር’ቶም ብኢራን ይድገፉ’ዮም ዝተባህሉ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ሑቲ ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት ግና እዘን ሃገራት ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምውጋን፣ ምስ ኣኢራን ዝነበረን ዲፕሎማሲ ኣዛሕቲለን ይርከባ።

ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ቴህራን ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ካብ ህዝቢ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ሱዳንን ጅቡትን ኣምባሳደራት ኢራን ክሰጓ እንከለዋ፣ ኤርትራ ከኣ ንኢራን ኮኒና።

ኢራን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወትሃደራዊ ህላዋኣ ንምርግጋጽ ምስዘን ሃገራት ከተካይዶ ዝጸንሐ ናይ ነዊሕ ዓመታት ጻዕሪ ከኣ፣ ስዑዲ ዓረብ ብጉዳኡይ የመን ኣቢላ ብዝመስረተቶ ኣብ ሓገዝ ዝተሞርኮሰ ልፍንቲ፣ ተቖጽዩ ይርከብ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0