ኣብ ኣስመራ ስርቂ ዓታሩ ናይ ጋዝ  ካብ ዝነበሮ ገኒኑ ምህላዉ ተሓቢሩ

ኣብ ኣስመራ ስርቂ ዓታሩ ናይ ጋዝ ካብ ዝነበሮ ገኒኑ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 04 August 2016

Gaz

ኣብ ኣስመራ፣ ስርቂ ዓታሩ ናይ ጋዝ ካብ ዝነበሩ ገኒኑ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን ስርቂ መዓልታውን ብብዝሒን ዝርአ ዘሎ ክስተት እናኾነ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፣ ካብ ዝስረቕ ዘሎ ንብረት ዓታሩ ናይ ገዛ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ዕትሮ ናይ ጋዝ ዘፍሪ ትካል ‘ኤሪሶክ’ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ጥረ ነገራት ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ፣ ብመጠን ጠለብ ህዝቢ እኹል ዓታሩ የፍሪ ከምዘየለ ዝፍለጥ’ዩ።

ህዝቢ፣ ዓታሩ ናይ ጋዝ ንኽዕድግ ብምምሕዳራት ክምዘገብ እኳ እንተተሓበሮ፣ እቲ ዝርካቡ ዝፈሪ ዘሎ ዓታሩ ግና ሰበ ስልጣን መንግስቲን ናይ ወጻኢ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታትን ብውሽጢ ውሽጢ ይዕድግዎ ምስ ምህላዉ፣ ሓንቲ ናይ ጋዝ ዕትሮ ንምዕዳግ ዓመታት ዝተጸበዩ ከምዘለዉ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

 

ጋዝ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፣ ህዝቢ ዓታሩ ሰሪዑ ከምዝውዕልን ከምዝሃድርን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብቲ ኣብ ሪጋን ምሕዳርን ምዎኣልን ዘሎ ሃልኪ ንላዕሊ፣ ስርቂ ዓታሩ ብዝያዳ የሻቕሎ ከምዘሎ’ውን እቶም ምንጭታት ኣብሪሆም።

ኣብ ምምሕዳራት ገዛባንዳን ኣኽርያን፣ ካብ ነቑጣታት መዐደሊ ጋዝ ብእኩብ ዝተሰርቀ ዓታሩ ከምዘሎ’ውን ከም ኣብነት ጠቒሶም።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0