ኡጋንዳ፣ ኣብ 2021 ዝካየድ ምርጫ፣ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ክስረዝ ከምዝኽእል ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ኣተንቢሁ

Radio Erena: 14 May 2020

ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሙሰቬኒ፣ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት ክካየድ ዝተመደበ ሃገራዊ ምርጫ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ክስረዝ ከምዝኽእል ኣተንቢሁ።

እቲ ፕረዚደንት፣ NBS ምስ ዝተባህለ ቴሌቭዥን እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ “ኮረና ቫይረስ እንከሎ ምርጫ ክካየዲ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ጽላለ’ዩ” ክብል ገሊጹ።

ዛጊት 121 ሰባት ብኮረና ቫይረስ ከምዝተለኽፉዋ ኣብ ዝሓበረት ኡጋንዳ፣ ኣብ መጋቢት 2021 ንዝካየድ ምርጫ፣ ብሰንኪ እዚ ለበዳ ክሰጋገር ይኽእል’ዩ ንዝብል መግለጺ’ቲ ፕረዚደንት ካብ ሓያሎ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ተቓውሞ ይውሕዞ ኣሎ።

ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ኣብ ዝተመደበ ምርጫ ኡጋንዳ፣ 76 ዓመቱ ዝመልእ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ዕድመ ኣብ ምርጫ ንዝወዳደር ዜጋ እታ ሃገር ዝግድብ ቅዋም ከምዝሰረዞ’ዩ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት፣ ኣብ 22 ሃገራት ምርጫታት ክካየድ ተመዲቡ እኳ እንተሎ፣ ሓያሎ ካብኣተን ለበዳ ኮረና ቫይረስ ከም ምኽንያት እናጠቐሳ ከይስርዝኦ ስግኣት ኣሎ።

ብጉልባብ ኮረና ቫይረስ፣ ሃገራዊ ምርጭኣ ብወግዒ ዝሰረዘት ቀዳመይቲ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኮይና ኣላ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ንህዝብታት ዓለም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ሸሚምዎ እኳ እንተሎ፣ ንዝበዝሑ መለኽቲ ስርዓታት ግና ዘይተሓስበ ምርቓ’ዩ ኮይንዎም ክብሉ ሓያሎ ወገናት ይጠቕሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0