ኡጋንዳ፣ ኣብ ጎደናታት ንዝልምኑ ቆልዑ ምጽዋት ምሃብ ዝኽልክል ሓዲሽ ሕጊ ጸዲቑ

Radio Erena: 06 June 2019

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ኣብ ጎደናታት ንዝልምኑ ቆልዑ፣ ምጽዋት ምሃብ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ከምዘጽደቐ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ብዘይካ’ዚ፣ ቆልዑ ብዘይኣላዩ ኣብ ጎደናታት ቀንፈዘው ክብሉ፣ ግዳም ሓደር ክኾኑን፣ ሽጋራ፣ ማስቲካን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ነገራት ኣብ ጎደናታት ከይሸጡን ዝኽልክል’ዩ።

እዚ “ድሕነት ቆልዑ 2019” ዝተሰምየ ሓድሽ ሕጊ፣ ነቲ ኣብ ቆልዑ ዝበጽሕ ዘሎ ጾታዊ ዓመጽን ጎነጽን ንምውጋድ ዝዓለመ’ዩ ክብሉ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ።

ምክትል ከንቲባ ከተማ ካምፓላ፣ ሳራ ካኒክ፣ እዚ ሕጊ፣ ብቀጻሊ ንዝርአ ዘሎ ብዝሒ ተናበይቲ ጎደና ዝኾኑ ቆልዑ ከጉድል ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ኣጽዲቕዎ ዘሎ ኣካራኻሪ ሕጊ፣ ኣላዩ ንዘይብሎም ቆልዑ ናብ ጎደናታት ካምፓላ ካብ ምውሓዝ ክገትእ ከምዘይክእል ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ይምጉቱ።

ማሕበራዊ ድሕነት ከውሕሳ ካብ ዘይክኣላ ስድራቤታት ዝውለዱ ቆልዑ፣ ተናበይቲ ጎደና ካብ ምዃን ክድሕኑ ከምዘይክእሉ’ውን የረድኡ።

ኣብ ጎደናታት ካምፓላ ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 15 ሽሕ ዝግምገሙ ተናበይቲ ጎደና ዝኾኑ ቆልዑ ከምዘለዉ ጸብጻብ መንግስቲ ይጠቅስ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0