ኤርትራ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፣ ንመርገጺ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጽን ከምእትድግፍ ዝእንፍት መግለጺ ኣውጺኣ

Radio Erena: 06 June 2019

ኤርትራ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፣ ንመርገጺ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጽን ከምእትድግፍ ዝእንፍት መግለጺ ኣውጺኣ።

እታ ሃገር ብ5 ሰነ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለዎ መርገጺ’ያ ነቒፋ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ስልጣኑ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከሰጋገር ክጽውዕ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጽን ግና እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ እብ ስልጣን ክቕጽል’የን ዝድግፋ ዘለዋ።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት በሽር ስልጣን ንምብሓት ዝጓየ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ክእለን፣ ስልጣን መንግስቲ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሰጋገርን ዝጽውዕ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን፣ ግብጺን ስዑዲ ዓረብን እባ ውስጣዊ ጉዳዩ ጣልቓ ብምእታወን ክቃወም’ዩ ጸኒሑ።

ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ኣብ ድሮ ዒድ ኣል ፈጢሪ፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ድሕሪ ዝፈጸሞ ህልቂት፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተወሳኺ ቁጠዐ ብምፍጣሩ፣ እቲ ስልጣኑ ንሰለስተ ዓመታት ከምዘየረክብ ክከራኸር ዝጸንሐ ጉጅለ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝነቅፍ መግለጺ ዘውጽእ ዘሎ ድማ ድሕሪ’ዚ ናይ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን መግለጺ’ዩ።

እዚ ናይ ኤርትራ መግለጺ ነታ ንመርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃ እትድግፍ ኢትዮጵያ’ውን ዝጻረር’ዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሱዳን ናብ ጎደና ደሞክራሲ ክትምለስ እንተኾይና፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ኣለዎ ዝብል መርገጺ ክሕዝ እንከሎ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጽን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዝጸንሐ ዝምድናታት ሱዳን ክበትሕ’ዩ ካብ ዝብል እምነት’የን ደገፍን ሂበንኦ።

እዚ ናይ ሱዳን ኩነታትን፣ ጎረባብቲ ሃገራት ሒዘንኦ ዘለዋ መርገጺ ከምኡ ድማ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኬንያን ተፈጥሩ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ነዚ ተስፋታት ሰላም ተቐልቂልዎ ዝጸንሐ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓድሽ ቅልውላው ከይመልሶ ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ኣቤለኻ ዘይበልዎስ ትሓቢኡ እምኒ ይድርቢ ድዮም ዝብልዎ.shaebia is irrelevant in the region.but they are trying to punch beyond their weight in order to please their Arab masters(UAE &SAUDI).መስኪናይ ኢሳያስ ከም ክንቲት ፈዂሱ ከዳሚ ኣዕራብ ኮይኑ ተሪፉ.where is all the bravado about the independent principles…. blabla mantra?