ኡጋንዳ፣ ኣብ ኮንጎ ንዝርከቡ ዕጡቓት ንምድምሳስ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳ

Radio Erena: 09 November 2022

ሓይሊ ኣየር ኡጋንዳ፣ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ንዝርከቡ ዕጡቓት ንምድምሳስ ደብዳብ ከምዘካየደ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ገሊጹ።

እቲ፣ ደጀን ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ንዝተባህለ ዕጡቕ ንምድምሳስ ዒላማ ዝገበረ’ዩ ዝተባህለ ደብዳብ፣ ኣብ ውሽጢ ሉኣላዊ መሬት ኮንጎ ንኽካየድ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዘፍቀደሎም’ዩ እቲ ፕረዚደንት ብመንገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

በቲ ኣብዚ ሳልስ’ቲ’ዚ ዝተኻየደ ደብዳብ፣ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ይኹን ዝዓነወ ንብረት ኣይተሓበረን።

ኡጋንዳን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን፣ ኣብ መወዳእታ 2021፣ ነቲ ዕጡቕ ሓይሊ ንምህዳን ሓባራዊ ወፍሪ ከምዝጀመራ ይፍለጥ።

ነቲ ኣብ ምብራቕ ኮንጎ፣ ከባቢ ኪቩ፣ ደጀኑ ከምዝገበረ ዝንገረሉ ኪዳን ደሞክራስያውያን ሓይልታት ወይ ADF ንምድምሳስ፣ ሰራዊት ኡጋንዳ ዶብ ሰጊሩ’ዩ መጥቃዕቲ ዘካይድ ዘሎ።

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ነቲ ካብ 1990 ኣትሒዙ ዝንቐሳቐስ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ‘እስላማዊ ሽበራዊ ጉጅለ’ ክብል’ዩ ዝገልጾ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ፈለማ ኣብ ምዕራብ ኡጋንዳ ይቀንሳቐስ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ምስቲ ኣብ ምብራቕ ኮንጎ፣ ከባቢታት ኪቩ ዝተፈጠረ ናይ ጸጥታ ምፍራስ፣ ደጀኑ ናብታ ሃገር ከምዘግዓዘ ሰነዳት ታሪኽ የመልክቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0