ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን 3 ቢልዮን ዶላር ከተውፍር’ያ

Radio Erena: 09 November 2022

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከተካይድ ምዃና፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ገሊጹ።

እቲ ጀነራል፣ ነዚ ዝገልጸ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ሸም ሸኽ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሌማ፣ ምስ ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ ምስ ተዛተየ ምዃኑ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ምስ ሱዳን ኣብ ኩሉ ጽላታት ንምትሕብባር ድሉው ምዃኖም ከምዘረጋገጸሉ ዘመልከተ እቲ ጀነራል፣ ማዕከን ህዝባዊ ወፍሪ ስዑዲ ዓረብ ፣ ሱዳን ኣብ እትርከቦ ሓሙሽተ ሃገራት ዞባዊ ማእከላት ምኽፋቱ ኣስሚርሉ።

ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ዓረብ፣ ብዛዕባ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ እኳ እንተሓበረ፣ ብወገን ሱዳን ዝተገልጸ ናይ 3 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ግና ኣይጠቐሰን።

ምስቲ ብ’ራኢ 2030′ ዝፍለጥ መደባት እታ ሃገር ተተሓሒዙ፣ ኣውፈርቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ህንጻ፣ ሪል ኢስቴት፣ ሕርሻ፣ ዕደናን ጥዕናን ዘጠቓለለ ክሳብ 24 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ንምክያድ መደባት ከምዘለዎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተገሊጹ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ቁጠባ ሱዳን ንምብርባር፣ ቢልዮናት ዶላራት ኣብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ኣቐሚጣ ከምዘላ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0