ኡጋንዳ፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ዘእቱ መንገዲ ጸጥትኡ ክሕሎ ብምጥላብ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ኣድማ ኣካይዶም

Radio Erena: 26 April 2017

Uganda tru

መራሕቲ ናይተን ካብ ኡጋንዳን ናብ ደቡብ ሱዳን ዝንቀሳቐሳ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን፣ ኣብ ዶብ ደቡብ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ስርቂ፣ ዘረፋን ምክልባትን መፍትሒ ክግበረሉ ብምጽዋዕ ኣድማ ከምዘካየዱ ማዕከን ዜና ዘ ኦብዘርቨር ካብ ካምፓላ ሓቢራ።

እቶም ንኣስታት ሓደ ሰሙን ኣድማ ዘካየዱ መራሒ ዓበይቲ መካይን፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ክኣትዉ እንተኾይኖም መንግስቲ እታ ሃገር፣ ኣብቲ ምስ ኡጋንዳ ዘራኽብ መስመራት ጸጥታ ከውሕስን ጸዊዖም።

ኣዛዚ ጸጥታን ሓይልሊ ፖሊስን ደቡብ ሱዳን ሌተናትን ጀነራል ማጆክ ኣከክ ማሎክ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንመንግስቲ ኡጋንዳ ምስ ዝወከሉ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ፖሊስን ኣብ ዶብ ኣብ እትርከብ ከተማ ኒሙለ ብዓርቢ 21 ሚያዝያ ብምርካብ፣ ነቲ ብመራሕቲ መካይን ዝቐረበ ጠለብ ከማልኡ ተሰማሚዖም።

ድሕሪ’ዚ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ስምምዕ ናብ ደቡብ ሱዳን ምውፋር ዝሓንገዱ መራሕቲ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ስርሖም ተመሊሶም ከምዘለው ጸብጻብ ዘ ኦብዘርቨር የመልክት።

ዝተፈላለየ ሃለኽቲ ነገራትን ካልእን ጽዒነን ካብ ኡጋንዳ ናብ ጁባ መዓልታዊ ዝንቀጻቐሳ ናይ ጽዕነት መካይን፣ ብዕጡቓት ይዝመታን መራሕተን ከኣ ግዳያት ሞትን ስንክልናን ይኾኑ ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

ምስ ኡጋንዳ ዘራኽብ ዕሙር ናይ ንግዲ መስመር ጁባ-ኒሙለ፣ እቲ ኣውራ ዝምታን ስርቂን ዝርኣየሉ መንገዲ ኮይኑ፣ ኣብዚ መስመር’ዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ነጋዶን ተራ ተጓዓዝትን’ውን ግዳያት ሓደጋ፣ ስርቅን ሞትን ከምዝኾኑ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0