ኣመሪካ፣ ናብ ሶማል ወትሃደራት ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 26 April 2017

US General

ኣመሪካ፣ ኣብ ምስልጣን ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ዝነጥፉ ኣስታት 40 ወትሃደራት ክትልእኽ ምዃና ንኣዛዚ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ጀነራል ቶማስ ዋልደሁሰር ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ሸበለ ሓቢሩ።

ጀነራል ዋልደሁሰር፣ ኣብ ጀርመን ከተማ ስቱትጋርት ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ቴሌፎን ኮንፈረንስ’ዩ፣ ኣመሪካ ወትሃደራት ንምልኣኽ ድልውቲ ምህላዋ ዘፍለጠ።

ኣዛዚ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ምልእኽ ወትሃደራት ኣመሪካ ናብ ሶማል መቀጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ንቡር ምውፋር ምዃኑ ብምምልካት፣ ዝተቐየረ ስትራቴጂ ከምዘየለ ኣረዲኡ።

መንግስቲ ሶማል፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ምስ ዝርከብአን መሻርኽቲ ብምዃን 28 ሽሕ ወትሃደራት ንምስልጣን’ያ መዲቡ ዘሎ።

እዚ ድማ ብውሕዱ ነቶም ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዝርከቡ 22 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትካእ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ጸጥታ እታ ሃገር ንምውሓስ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰራዊት ከዋፍር ክሕግዞ ከምዝኽእል ወትሃደራውያን ተንተንቲ የገንዝቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0