ኡጋንዳ፣ ብቅትለት ኤርትራዊ ነጋዳይ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ መኮንናት ፖሊስ ተቐይዶም

ኡጋንዳ፣ ብቅትለት ኤርትራዊ ነጋዳይ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ መኮንናት ፖሊስ ተቐይዶም

Radio Erena: 30 October 2017

Uganda Police

ፖሊስ ኡጋንዳ፣ ብቅትለት እቲ ኣብ ታሕሳስ 2016 ሞይቱ ዝተረኽበ ኤርትራዉ ዳኒኤል ወልዱ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ መኮንናት ፖሊስ ከምዝቐየደ ዘ ኦብዘርቨር ዝተባህለ ማዕከን ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

ፖሊስ ኡጋንዳ ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ዝምታን ቅትለትን ኢድ ከምዘለዎም ዝተጠርጠሩ ኣባላት ፖሊስ ንምህዳን ብ27 ጥቅምቲ ኣብ ጂንጃን ከባቢኡን ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ሽዱሽተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝቐየደ ድሕሪ ምጥቃስ፣ እቶም ኣጋሲርወ፣ ባሮዛን ካተንደን ዝተባህሉ ሰለስተ መኮንናት ምስ ቅትለት ኤርትራዊ ነጋዳይ ብዝተሓሓዝ ምዃኑ ኣነጺሩ።

 

ወዲ 32 ዓመት ዳኒኤል ወልዱ፣ ኣብ ታሕሳስ 2016 ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ዝዝከር ኮይኑ፣ ቀተልቱ፣ ስታንቢክ ኣብ ዝተባህለ ባንክ ንዝነበሮ ኣስታት 2 ሚልዮን ኤውሮ ንምዝማት ዝፈጸምዎ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ደኒኤል፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ እኳ እንተነበረ፣ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት ነብሱ ንምድሓን ናብ ኡጋንዳ ድሕሪ ምምጽኡ’ዩ፣ ኣብ ከባቢ ካምፓላ ተቐቲሉ።

ናይ ባንክ ሕሳብ ምስጢሩ ነቶም ዝቀተልዎ ኣባላት ፖሊስ ኣሕሊፎም ከምዝሃቡ ዝተጠርጠሩ ሰራሕተኛታት ባንክ ስታንቢክ ናይ ኡጋንዳ፣ ኣብቲ ግዜ ንመርመራ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን፣ ኣብ ንግዲ ዝንተዋፈሩ ኣማኢት ኤርትራውያን ሰብ ርእሰ-ማል ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሓያሎ ካብኣቶም ግዳያት ስርቅን ምስ ስርቂ ዝተተሓዘ ሞት ኮይኖም’ዮም።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ምስዚ ናይ ዝምታን ስርቅን ኤርትራውያን ነጋዶ ዝተኣሳሰር ሓያሎ ጉዳያት፣ ብምስጢር ተታሒዙ ክህልዉ ከምዝኽእል’ውን ይግመት።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0