ቴልኣቪቭ፣ መባእታ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣቡጊዳ 97 ተማሃሮ ኣመሪቓ

ቴልኣቪቭ፣ መባእታ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኣቡጊዳ 97 ተማሃሮ ኣመሪቓ

Radio Erena: 30 October 2017

Abugida

ብግዱሳት ኤርትራውያን ኣብ እስራአል፣ ኣብ 2013 ዝተበገሰት መባእታ ቤት ትምህትቲ ቋንቋ ኣደ ኣቡጊዳ፣ ከተምህሮም ዝጸንሐት 97 ቆልዑ ኣመሪቓ።

ኣብዚ ዓመት 107 ቆልዑ ተመዝጊቦም እኳ እንተነበሩ፣ እቶም 10 ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ትምህርቶም ከምዘቋረጹ ምስ ሬድዮ ኤረና ቅርበት ዘለዎም ካብታ ከተማ ኣረዲኦም።

እዛ ካብ ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጸግዒ ናጻ ዝኾነትን ብወለዲ እትእለን እትመሓደርን ቤት ትምህርቲ ኣቡጊዳ፣ ዒላማ፣ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ኤርትራውያን ቆልዑ ምስ መንነቶም፣ ባህሎም ቋንቋኦም ንምልላይ’ዩ።

ጎኒ ጎኒ’ቲ፣ ንቆልዑ ንቆልዑ ቋንቋታት ትግርኛን እንግሊዝን እትህቦ ትምህርቲ፣ ንወለዲ’ውን ብቋንቋታት እብይስጥን እንግሊዝን መባእታዊ ትምህርቲ ከምእትህብ ይፍለጥ።

ን1 ጥሪ 2018 ንዝጅመር ትምህርቲ፣ ን17 ታሕሳስ 2017 ምዝግባ ቆልዑ ክህሉ ስለዝኾነ፣ ወለዲ ረብሓን ጥቅም እቲ ብናጻ ዝወሃብ ናይ መባእታ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደን ካልእ ኣካዳምያዊ ሓገዛትን ብምግንዛን፣ ደቆም ብዝቀልጠፈ ከመዝግቡ ኣካየድቲ እታ ቤት ትምህርቲ ተማሕጺኖም።

ብወለድን ግዱሳት መማህራንን ኣብ 2013 ዝተበግሰት መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣቡጉዳ፣ ንካልኦት’ውን ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን፣ ኣብዚ ባር ዲስካስ ዝተባህለ ቦታ’ውን ኣብ ቆልዑን ትምህርቲ ቋንቋ ኣደን ዘድሃበት መባእታ ቤት ትምህርቲ ከምዝተኸፍተት ኣቐዲሙ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ እስራኤል 35 ሽሕ ንዝግመቱ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ጉዳዮም ኣብ ጠልጠል ሓዲግዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ወግሐ ጸብሐ ክሰጎም ምዃኑ እብ ዝፍክረሉ ዘሎ እዋን፣መጻኢ እቶም ኣብታ ሃገር ዝተወልዱ ኤርትራውያን ቆልዑ ዘተሓሳሰቦም ወለድን መማህራንን፣ ነቶም ቆልዑ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብምጥርናፍ ቋንቋ ኣዲኦም፣ ባህሎም መንነቶም ክምህርዎም ተበግሶ ዝወሰዱ።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0