ኡጋንዳ፣ መስርሕ ዳግመ ምዝገባ ስደተኛታት ንሓያሎ ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣከላቢቱ

Radio Erena: 20 September 2022

መንግስቲ ኡጋንዳን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን፣ ዳግመ ምዝገባ ኣብታ ሃገር ናይ ዝነብሩ ስደተኛታት ክካየድ ብዘውጽእዎ መምርሒ መሰረት፣ ምዝገባ ኤርትራውያን ካብ 13 ክሳብ 16 መስከረም ተኻይዱ።

እቲ ብብዝሒ ኣባላት ስድራቤታት ተኸፋፊሉ ኣብ ሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ምዝገባ፣ ብቑዑ ምድላው ዘይተገብረሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ንጹር ሓበሬታ’ውን ስለዘይነበሮ ሓያሎ ስድራቤታት ከምዝተኸላበታ ነዚ ሓበሬታ ካብ ካምፓላ ዝልኣኹ ወገናት ኣረዲኦም።

ዕላማ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዳግመ ምዝገባ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ እቲ መስርሕ ንሓያሎ ኤርትራውያን ግዳያት ጉቦ ሰራሕተኛታት ክፍሊ ኢምግሬሽን ኡጋንዳን ካልኦት ምስ ስደተኛታት ዝተኣሳሰራ ትካላትን ይገብሮም ኣሎ ክብሉ እቶም ወገናት ጠቒሶም።

ንኤርትራውያን ብዘይ መእተዊ ቪዛ ናብ እትቕበል ኡጋንዳ ካብ ዝኣትዉ መብዛሕቶም ናብ ዓዶም ከምዘይምለሱ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብ ኡጋንዳ ክትጸንሓሉ ዝግባእ ግዜ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ምስ ምዃኑ፣ ሓያሎ ካብቶም ኣብታ ሃገር ንምትራፍ ዝውስኑ ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ’ዮም ዝነብሩ።

ዑቕባ ዝሓተቱን ናይ ወጻኢ ሃገራት መስርሕ ዝጽበዩን ኤርትራውያን ‘ውን እንተኾኑ፣ ኣብታ ሃገር ጉዳያት ንምስላጥ ጉቦ ምኽፋል ንቡር ተርእዮ ምዃኑ ይዝረበሉ።

ኣብ ኡጋንዳ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ክነብሩ እንከለዉ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ምዃኖም ብ09 መስከረም ዝወጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

መብዛሕቶም እቶም ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ዝተዓቝቡ’ዮም።

ከም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ግና ኣብ ከተማታት ብፍላይ ድማ ኣብ ካምፓላ ዝነብሩ ኮይኖም፣ ብዙሓት ካብኣቶም ንኣሽቱ ንግዳዊ ትካላት ብምኽፋት ህይወቶም ይመርሑ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0