ደቡብ ሱዳን፣ ፖርት ሱዳንን ሞምባሳን ብምርሕራሕ ወደብ ጂቡቲ ክትጥቀም ከምእትደሊ ገሊጻ

Radio Erena: 20 September 2022

ኣገልግሎታት ወደብ ንምርካብ ተጸጊማ ከምዘላ እትግለጽ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ጂቡቲ ምቑማታ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም።

ንምርጋፍን ምጽዓንን ዘገልልግል ኣስታት 12 ሽሕ ትርቢዒት ሜትሮ መሬት ኣብ ጂቡቲ ዓዲጋ ከምዘላ ዝገለጸት ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንእተትዎ ይኹን ናብ ወጻኢ እትልእኮ ነገራት በዚ ወደብ ንምጥቃብ መዲባ ምህላዋ ኣረጋጊጻ።

ወደባት ሱዳን፣ ታንዛንያን ኬንያን በብእዋኑ ክትጥቀመሉ ዝጸንሐት ደቡብ ሱዳን፣ ቤት ምኽሪ ንግዲ እታ ሃገር ናይ ወደብ ኣማራጺታቱ ጂቡቲ ክትከውን ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ ምንባሩ ተመልኪቱ።

ሚኒስተር ነዳዲ ደቡብ ሱዳን፣ ፖት ካንግ ኮል፣ ወደባት ፖርት ሱዳንን ሞምባሳን ኢና ክንጥቐም ጸኒሕና፣ ሕጂ ግና ናብ ጂቡቲ ክንግዕዝ ወሲና ኣለና ክብል ወግዓዊ መግለጺ ከምዝሃበ መርበባት ዜና እታ ሃገር ጠቒሰን።

እዚ ውሳኔ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ፣ ዘይተጻረየ ነዳዲ ደቡብ ሱዳን ብመንገዲ ጂቡቲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክቐርብ’ዩ። ደቡብ ሱዳን ድማ ካብ ወጻኢ እትሽምቶ ዘበለ ኩሉ ብወደብ ጂቡቲ ክኣቱ’ዩ።

ወደብ ሞምባሳ ኣብ ምጥቃም፣ ካብ ቀንዲ ዓማዊል ኬንያ ዝኾነት ደቡብ ሱዳን፣ ናብ ጂቡቲ እንተግዒዛ፣ ንኬንያ ዓቢ ቁጠባዊ ሃስያ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

እንተኾነ፣ ደቡብ ሱዳን ወደብ ጂቡቲ ንምጥቃም ናይ ግድን ብኢትዮጵያ ክትሓልፍ ስለዘለዋ፣ ካልእ ዝዓበየ ብድሆ ከምዝኾና እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ ይእምቱ።

ምስ ደቡብ ሱዳን ዝዳወብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ናይ ኢትይጵያ፣ ተደጋጋሚ እዋን ምፍራስ ጸጥታ ዝተራእዮን ሓደ ካብ ናይ ግጭት ዞባታት እታ ሃገር ምዃኑን ይፍለጥ።
==============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0