ን27 ዓመታት ንቡርኪናፋሶ ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ነበር፣ ብሌዝ ካምፓኦረ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 06 April 2022

ን27 ዓመታት ንቡርኪናፋሶ ዝመርሐ፣ ፕረዚደንት ነበር፣ ብሌዝ ካምፓኦረን ክልተ መሻርኽቱን ንሕልፈት ክእሰሩ ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ፣ ብረቡዕ 06 ሚያዝያ ብይን ሂቡ።

እቲ ኣብ 1987 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝጨበጠ ፕረዚደንት ነበር፣ ብቅትለት ናይቲ ሓደ ካብ ህቡባት ሰውራውያን ኣፍሪቃ ምዃኑ ዝንገረሉ፣ መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ ቶማስ ሳንካራ ተኸሲሱ’ዩ ጉዳዮ፣ ኣብ ከተማ ኡጓዱጉ ኣብ ዝቖመ ወትሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክጻረ ጸኒሑ።

ኣንጻር ዕብለላ ኤውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ተሪር መርገጺ ዝነበሮ ቶማስ ሳንካራ፣ ብምትሕብባር ምዕራባውያን ሓይልታት ኣብ 1987 ኣብ ዝተቐንጸለሉ፣ ብሌዝ ካምፓኦረ ቀንዲ ካብ ተዋሳእቲ ምንባሩ ‘ዩ ዝውቐስ።

ድሕሪ ቅንጸላ ቶማስ ሳንካራ ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበር ካምፓኦረ፣ ንተወሳኺ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል፣ ቅዋም እታ ሃገር ክቕይሮ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፣ ህዝቢ ኣንጻሩ ብዘካየዶ ተቓውሞን ኣድማን፣ ኣብ 2014 ስልጣኑ ሓዲጉ ናብ ኣይቮሪኮስት ሃዲሙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝነበረ፣ ሮሽ ማርክ ክርስትያን ካቦረ ድማ ንዕኡ ብምትካእ ክሳብ ጥሪ 2022 ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ኔሩ።

ብፓል ሄንሪ ደምባ ዝምራሕ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ 24 ጥሪ 2022 ወትሃደራዊ ዕልዋ ብምክያድ፣ ብምርጫ መንግስቲ ክሳብ ዝቐውም ብግዝያውነት ኣብ ስልጣን ይርከብ።

ካብ 2016 ኣትሒዙ፣ ናይ ኣይቮሪኮስት ዜግነት ከምዝወሰደ ዝንገረሉ፣ ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ነበር፣ ብሌዝ  ካምፓኦረ  ኣብ ልዕሊኡ ዝተመስረተ ክሲታት ‘ፖለቲካዊ ‘ዩ’ ክብል ክቃወሞ’ዩ ጸኒሑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0