ፕረዚደንት የመን፣ ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ስልጣኑ ሓዲጉ

Radio Erena: 07 April 2022

ንዝሓለፈ7 ዓመታት፣ ኣብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ስደት ዝጸንሐ ፕረዚደንት የመን፣ ዓብደረቦ መንሱር ስልጣኑ ሓዲጉ።

ንሱ፣ ሎሚ ሓሙስ 07 ሚያዝያ፣ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ስልጣኑ ሓዳስ ቆይማ ንዘላ ግዝያዊት ቤት ምኽሪ የመን ከምዘረከበ ገሊጹ።

ሸሞንተ ኣባላት ዘለዉዋ ቤት ምኽሪ የመን፣ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ኣማኻሪ እቲ ፕረዚደንትን፣ ራሽድ ኣል ዓሊሚ ክትምራሕ’ያ።

ካብ 1992 ክሳብ 2012 ምክትል ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝነበረ ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተወለዐ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ኣብ 2012’ዩ ምሉእ ስልጣን ፕረዚደንት ተረኪቡ።

እንተኾነ፣ ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ 2015፣ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ድሕሪ ምቑጽጻሮም፣ እቲ ፕረዚደንት ናብ ስዑዲ ዓረብ ሃዲሙ፣ ኣብ ሪያድ ብስደት እናተቐመጠ ነታ ሃገር ናይ ምምሕራ ሓላፍነት ቀጺልዎ።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ፣ ኤርትራውያን ዝተጸንበረቶ ልፍንቲ፣ ንሑቲ ንምድምሳስ ዘበግሶ ወትሃደራዊ ወፍሪ፣ ኣብ ሸውዓተ ዓመቱ፣ ካብ ህልቂትን ዕንወትን ዝሓለፍ ካልእ ለውጢ ከምጽእ ኣይከኣለን።

ሑቲ፣ ድሕሪ’ቲ ን 7 ዓመታት ኣንጻሩ ዝቐጸለ ጽዑቕ መጥቃዕታ ‘ውን እንተኾን፣ ኣብ የመን ላዕለዋይ ሚዛን ሓይሊ ጨቡጡ ይርከብ።

ግጭት የመን፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽትን፣ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝተኻየደ ጻዕርታት ከምቲ ዝድለ ኣይሰጎመን።

ሑቲ፣ ‘ኣብ መሬት ጸላኢት ሃገር ኣይሳተፍን’የ’ ኢሉ ኣብ ዝተሓሰሞ፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም የመን ድማ’ዩ፣ ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ስልጣኑ ክሓድግ ከምዝወሰነን ደጊሙ ናብ ስልጣን ክምለስ ከምዘይደልን ዝገለጸ።

እቲ ፕረዚደንት ስልጣኑ ቅድሚ ምሕዳጉ፣ ንምክትሉ ዓሊ ሙሓሰን ኣልኣሕማር ካብ መዝነቱ ሰጕጉዎ።

እዚ መንሱር ሓዲ ወሲድዎ ዘሎ ውሳኔ፣ ኣብ የመን ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ሃጓፍ ከይፈጥርን ንዝጸንሐ ምክፍፋላት ከየጋድድን ተሰጊኡ ኣሎ።

ምእላይ እቲ ፕረዚደንት፣ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ጸብለልታ ዝጸንሖ ሑቲ፣ ኣብ ፖለቲካ የመን ‘ውን ከምዝተዓወተ ዘጉልሕ ምዃኑ ተንተንቲ የገንዝቡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0