ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ንዝርከብ ፕ.የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር የእትዩ

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ንዝርከብ ፕ.የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር የእትዩ

Radio Erena: 09 November 2017

p_mensur hadi

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ስደት ኣብ ሪያድ ንዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዘእተዎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓረብ ይገልጻ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ምስ ደቁን ሓያሎ ሰበ ስልጣናቱን ናብ የመን ክምለስ ዘቕረቦ ሕቶ ከምዝተነጽገ’ውን እተን ማዕከናት ዜና የመልክታ።

መንግስቲ ስዑዲ፣ ንፕረዚደንት የመን ካብ ሪያድ ከይወጽእ ዝኸልከለሉ ምኽንያት፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክሰማማዕ ስለዘይክኣለ ምዃኑ ይሕብር።

 እታ ሃገር ንፕረዚደንት የመን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዘእተወቶ ዝግለጽ ዘሎ፣ ምስ ብልሽውና ብዝተሓሓዝ ናይ ዝቐየደቶም ሰበ ስልጣን ነበርን ወረስቲ ዓራትን ብዝሒ ናብ 50 በጺሕሉ ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ።

ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ወጥሪ ተሸሚማ ከምዘላ እትግለጽ ስዑዲ ዓረብ፣ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ንዝፍጽም ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ሰዓድ ሓሪሪ፣ ካብቲ ምስ ሕዝቡላህ ተላፊኑ ዘቖሞ ስልጣን መንግስቲ ክእለ ከምዘገደደቶ’ውን ክግለጽ ቀንዩ’ዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምብጹሑ ንድሕነተይ ካብ ስልጣን ተሰናቢተ ኣለኹ ድሕሪ ምባሉ፣ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ዝርዝራዊ መግለጺ ኣይሃበን።

ሰዓድ ሓሪሪ ኣብ ናይ ስዑዲ ዓረብ መገሽኡ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምስንባቱ ንሱ’ውን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣትዩ ከምዘሎ ኢራንን ሕዝቡላህን ይጠቕሱ።

ሕዝቡላህ ናይ ሊባኖስ ብኣመንቲ ሺዓ ዝቖመ ውድብ ኮይኑ፣ ብኢራን ከምዝድገፍ’ያ ስዑዲ ዓረብ ትወቅስ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0