ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ 2020 ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ ምዃኑ ገሊጹ

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ 2020 ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 10 November 2017

albeshir

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ኣብ 2020 ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ ምዃኑ ገሊጹ።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ዓረብ ዝዘርግሖኦ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጉዳያት ዳርፉርን ዞባ ኮርዶፋንን ድሕሪ ምፍትሖም፣ ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ዓመት ካብ ስልጣኑ ክወርድ’ዩ።

ፕረዚደንት በሺር ኣብቲ ኣብ 2020 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዘይሳተፍን ንሳልሳይ እዋኑ ፕረዚደንት ኮይኑ ናይ ምቕጻል ድሌት ከምዘይብሉን’ዩ ዝጠቅስ።

 

እንተኾነ ሓያሎ ፖለቲከኛታትን ዜጋታትን እታ ሃገር ንመግለጺ እቲ ፕረዚደንት ኣይኣመንዎን።

ፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣን ክወርድ ምዃኑ ዝሕብር ዘሎ ሎሚ ንፈለማ እዋኑ ኣይኮነን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0