ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ቀዳማይ ወራሲ ዓራት ንዝነበረ ወዲ ሓዉ ብምእላይ ብወዱ  ተኪእዎ

ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ቀዳማይ ወራሲ ዓራት ንዝነበረ ወዲ ሓዉ ብምእላይ ብወዱ ተኪእዎ

Radio Erena: 23 June 2017

saudi

ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ፣ ቀዳማይ ወራሲ ዓራት ንዝነበረ ወዲ ሓዉ ብምእላይ፣ ብወዲ 31 ዓመት ወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ተኪእዎ።

እቲ ንጉስ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት፣ ብጥዕና ተዳኺሙ ብምህላዉ፣ ንወዱ ምሉእ ናይታ ሃገር ናይ ምምራሕ ዕድል ክህቦ ስለዝደለየ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካዊ እታ ሃገር ይጠቕሱ።

ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ሕጊ ምትኽኻእ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ እታ ሃገር፣ ወዲ ሓዉ ንንጉስ ሳልማን፣ መሓመድ ቢን ናይፍ፣ ቀዳማይ ወራሲ ዓራት ኮይኑ፣ እቲ ንጉስ ብሞት ይኹን ካልእ ምኽንያት ምስ ዝእለ፣ ነቲ ጉስ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ንሱ’ዩ ኔሩ።

 እንተኾነ፣ ወዲ 81 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ንጉስ ሳልማን፣ ብሰንኪ ሕማም እናተዳኸመ ይመጽእ ስለዘሎ፣ ስልጣኑ ኣብ ክንዲ ንሕጋዊ ወራሲ ዝኾነ ወዲ ሓዉ ንወዱ ከሰጋግረሉ ባይታ ኣጣጢሕሉ ኣሎ።

እዚ ብንጉስ ሳልማን ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ፣ ኣብ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ እታ ሃገር ምስሕሓብ ከምጽእ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፣ ስዑዲ ዓረብ ሓንቲ ካብተን ዕጹዋት ሃገራት ዓለምና ብምዃና፣ ህልዉ ኩነታት እታ ሃገር ብመንገዲ ማዕከናት ዜና ክቃላሕ ከምዘይክእል’ዩ ዝንገር።

ንጉስ ሳልማን ድሕሪ ሞት ሓዉ ንጉስ ዓብደላ ኣብ 23 ጥሪ 2015’ዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ወዲ 29 ዓመት ንዝነበረ ወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ሚኒስተር ምክልኻል ጌሩ ከምዝሸሞ’ውን ኣይርሳዕን።

መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብዚ እዋን’ዚ ወራሲ ቀዳማይ ዓራትን ሚኒስተር ምክልኻልን ጥራይ ዘይኮነ፣ ንንጉስ ተኪኡ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ’ውን ንሱ’ዩ ክብሉ’ዮም ምስ ሃገር ቅርበት ዘለዎም ወገናት ይገልጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0