ንዳዒሽ ገንዘብ ከዋጽኡ ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ብሪጣንያ 14 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም

Radio Erena: 28 April 2020

ኣብ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዑቕባ ምዃኖም ዝተገልጹ ክልተ ኤርትራውያን፣ ንዳዒሽ ብገንዘብን ሞራልድ ብምድጋፎም 14 ዓመታት ክእሰሩ ከምዝተፈርዶም ማዕከናት ዜና ብሪጣንያን ሓቢረን።

እቶም፣ ኣዩብ ኑርሑሴንን ሰይድ መሓመድን ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት፣ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ኣዋርሕ፣ ኣስታት 5 ሽሕ ዶላር ናብቲ ሽበራዊ ጉጅለ ከምዝልኣኹ፣ ብዓርቢ 24 ሚያዝያ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ተኣሚኖም።

ኣዩብ ኑርሑሴን፣ ብመንገዲ ሓደ ካብ ሕመረት ዳዒሽ ምዃኑ ዝተጠቕሰን፣ ኣብ ዒራቕ ዝነብርን፣ ዋሲም ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ኣስታት ልዕሊ 3 ሽሕ ዶላር ክልእኽ እንከሎ፣ ሰይድ መሓመድ ድማ ብወገኑ ልዕሊ 1500 ዶላር ምልኣኹ’ዩ ተገሊጹ።

ንሳቶም ብኣካል ናብቲ ሽበራዊ ጉጅለ ክጽንበሩ መደብ እኳ እንተነበሮም፣ ክገሹ ብዘይምኽኣሎም ክሰልጦም ከምዘይክኣለ ማዕከናት ዜና ብሪጣንያ ንጸብጻብ ቤት ፍርዲ ብምጥቃስ ኣቃሊሐን።

ኣብ ልዕሊኡ፣ ኣዩብ ኑርሑሴን፣ ተፈንጃሪ ንምስራሕ ዝሕግዝ ሰነዳት ከምዝተረኽቦን፣ ዳዒሽ ኣራእስ ሰባት እናቖረጸ ዘርኢ ቪድዮታት ድማ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ክዝርግሕ ምዝንሑን’ዩ ተኸሲሱ።

ኣዩብ ኑርሑሴን፣ ኣብ 2012፣ ዘይሕጋዊ ብረት ብምሓዝ ኣብ ዝምታን ዘረፋን ተዋፊሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ብፖሊስ ስለዝተታሕዘ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ተኣሲሩ ምንባሩ’ውን ሰነዳት እቲ ቤት ፍርዲ ኣቃሎዑ።

ቀንዲ ክሱስ ዝኾነ ኣዩብ ኑርሑሴን ን9 ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ሰይድ መሓመድ ድማ ንሓሙሽተ ዓመትን ሰለስተ ኣዋርሕን ክእሰሩ ኣብ ዝተፈርድሉ፣ ናይ ጣዕሳ ምልክታት ከምዘይተራእዮምን እናሰሓቑ ነቲ ብይን ከምዝሰምዕዎን ደይሊ መይል ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

ወዲ 29 ዓመት ኣዩብ ኑርሑሴን ኣብ ብሪጣንያ ዘቕረቦ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ተቐባልነት ክርክብ እንከሎ፣ ወዲ 31 ዓመት ምዃኑ ዝተሓበረ ሰይድ መሓመድ ግና፣ ብካሌ ናይ ፈረንሳ ሰጊሩ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዉ ዘቕረቦ ሕቶ ዑቕባ ተነጺጉ፣ ካብ ብሪጣንያ ክወጻእ ንዝተዋህቦ ትእዛዝ ብዘይምኽባር፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክነብር ዝጸንሐ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ መርበብ ሓበሬታ ኢንደፐንደት

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0