ደሃይ ኣጥፊኡ ዝወርሐ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ኣኼባ ከካይድ’ዩ ይብሃል ኣሎ

Radio Erena: 28 April 2020

ህዝብታት ዓለምና ብለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣብ ሻቕሎት ተሸሚምሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መንግስታት ዜጋታቶም ንምርግጋእን፣ ኣብ እዋን ለበዳን ድሕሪ ለበዳን ዝህሉ ማሕበረ ቁጠባዊ ፖሊሲታትን ኣብ ምዝታይን ንህዝቢ ኣብ ምግላጽን’ዮም ዝርከቡ።

ብኣንጻር እዚ ግና፣ ብዘይካ’ታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብ18 ሚያዝያ ዘመሓላላፈ ሓጻር መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ደሃዩ ኣጢፊኡ’ዩ ዘሎ።

ብፍላይ እታ ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን፣ ዕለታዊ መግለጺታት ክትህጽ እትጸበያ ሚኒስትር ጥዕና፣ ኣምና ኑርሑሰን፣ እዚ ለበዳ ካብ ዝተኣወጀሉ ዕለት ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ ክትህብ ናብ ህዝቢ ኣይቀረበትን።

ህዝቢ፣ ካብ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ተስፋ ዝቖረጸን፣ ካብ ኣኼባታቶም’ውን ዝኾነ ነገር ዝጽበን እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን ንልዕሊ ወርሒ ደሃዮም ምጥፍኡ ግና ክቕልድን ክዋዘን ይስማዕ ምህላዉ ኣቐዲሙ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዘካይዶ ኣኼባታት፣ ደሃዮ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ህዝቢ ዘጋውሖ ዘሎ ወረታት፣ ዋዛን ቀልድን ንምብርዓ ዝዓለመ ኣኼባ ከካይድ መዲቡ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የገንዝብ

እንተኾነ እቲ ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት ብንጹር ኣይተመልከተን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0