ንክልተ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ዘይምህላው፣ ዞባውን ኣህጉራዊን ዲፕሎማስያዊ ተነጺሎ ዘጉልሕ ምዃኑ ተሓቢሩ

ንክልተ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ዘይምህላው፣ ዞባውን ኣህጉራዊን ዲፕሎማስያዊ ተነጺሎ ዘጉልሕ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 12 December 2017

Issu alone

ካብ ታሕሳስ 2015 ክሳብ ታሕሳስ 2017፣ ንክልተ ዓመታት ምሉእ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ዝኾነ መራሒ ዘይምንባሩ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዞባውን ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ተነጺሉ ከምዘሎ ዘጉልሕ ምዃኑ ሓደ ዲፕሎማሰኛ ነበረ ንሬድዮ ኤረና ገሊጹ።

ንሱ ብዝሃቦ መብርሂ መሰረት፣ ንክልተ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ሃገር ኣይነበረን ጥራይ ዘይኮነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ኣብዘን ክልተ ዓመታት ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ግብጽን ጥራይ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ታሕሳስ 2015 ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ናይ መወዳእታ መራሒ ሃገራት ኣመሪ ቀጠር፣ ሸኽ ታሚም ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣልታኒ ኮይኑ፣ ብጉዳይ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ንምዝርራብ’ዩ ናብ ኣስመራ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዑደት ኣካይዱ።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ መራሒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ይኹን ካልእ ክፋል ዓለም ኣይነበረን።

እዚ ድማ እቲ ሃገር ብደረጃ ላዕለዋይ መሪሕነት ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ዲፕሎማሲ ተነጺላ ከምዘላ ዝሓበረ እቲ ዲፕሎማሰኛ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብደረጃ ሚኒስተራትን ኣምባሳደራትን ዝተኻየደ ርክባት ብመንጽር ኣብ ዞባና ዝርከባ ሃገራት እቲ ዝተሓተ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ይኹን’ምበር ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትር ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ኤሪቲቪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፣ ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መደይ ዓወታት ተመዝግብ ኣላ ክብል’ዩ ገሊጹ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0