ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሰራዊት ልፍንቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእትርከብ ወደባዊት ከተማ ሖዴይዳ ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ የካይዱ

ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሰራዊት ልፍንቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእትርከብ ወደባዊት ከተማ ሖዴይዳ ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ የካይዱ

Radio Erena: 13 December 2017

hodeidah

ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሰራዊት ልፍንቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሖዴይዳ ካብ ሚሊሻ ሑቲ ንምምንዛዕ መጥቃዕታት የካይድ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እታ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ከተማታት የመን ብዕብየታ ቀዳማይቲ ዝኾነት ወደብ ሖዴይዳ፣ ንሑቲ ካብ ግዳም ንዝመጾ ሰብኣውን ወትሃደራውን ሓገዛት ኣውራ ኣፍደገ’ያ ኮይና ጸኒሓ።

ብስዑዲ ዓራብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ ሰራዊት ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ፣ ነታ ወደብ ካብ ሚሊሻ ሑቲ ንምምንዛዕ ዘካየዶ ተደጋጋሚ ፈተነ ክዕወት ኣይከኣለን።

እዛ ካብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ 38 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ስትራቴጃዊት ወደብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ልፍንቲ ከምዝወደቐት ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ሑቲ ነታ ወደብ ብቀሊሉ ከምዘይለቃ ካልኦት ወገናት የመልክቱ።

ሓይልታት ልፍንቲ ነዚ መጥቃዕቲ ዝፍንዉ ዘለዉ፣ ድሕሪ ቅትለት ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ላዕለዎት መኮንናትን፣ ንሑቲ ብወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምስዓሩ ስለዘይክኣል፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክናደየሉ፣ ተንተንቲ ኣብ ዝድምድምሉ ዘለዉ ግዜ’ዩ።

ኣብታ ወደብ ዝጸንሑ 10ታት ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረዲኤት ከምዝወጹ’ውን ይግለጽ ኣሎ።

ሕቡራት ኢማራት ነቲ ኣብ ወደብ ሖዴይዳ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ናይ ነፈርትን መራኽብ ኵናት ድጋፍ ንምሃብ፣ ካብ ወደባት ኤርትራ ትብገስ ምህላዋ ይንገር።

ኣብ ኤርትራ በብእዋኑ ዝተታሕዙ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብመንገዲ’ታ ኣብ ትሕቲ ሑቲ እትርከብ ወደብ ሖዴይዳ ናብ ዓዶም ክፋነዉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0