ንእስራኤላዊ ወትሃደር ብኻራ ዘቑሰለ ሱዳናዊ ስደተኛ ተቐቲሉ

ንእስራኤላዊ ወትሃደር ብኻራ ዘቑሰለ ሱዳናዊ ስደተኛ ተቐቲሉ

Radio Erena: 08 February 2016

su Kil Is

ንእስራኤላዊ ወትሃደር ብኻራ ዘቑሰለ ሱዳናዊ ስደተኛ ብካልእ ወትሃደር ከምዝተቐትለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ትማሊ ሰንበት 7 ለካቲት ኣብ ከተማ ኣሽኸሎን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓደ ሱዳናዊ ስደተኛ ኣብ ልዕሊ እስራኤላዊ ወትሃደር ጠንቑ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት እትኽተሎ ዘላ ፖሊስ ዝፈጠሮ ቁጠዐ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

እቲ ሱዳናዊ፣ ካራ መዚዙ፣ ኣብ ልዕሊ ኣባል ሰራዊት እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ምክያዱ፣ መቐጸልታ ናይቲ ፍልስጤማውያን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዝጀመርዎ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ከይህልዎ ዝብል ስግኣት’ውን ፈጢሩ ኔሩ’ዩ።

 

ኣብቲ እዋን’ቲ 165 ፍልስጤማውያንን 26 እስራኤላውያንን ክቕተሉ እንከለዉ፣ ሓደ ኤርትራውያን’ውን፣ ብላኼማ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝተቐትለ ኣይርሳዕን።

ኣብ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ከምዘለዉ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል የመልክት።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0