ንእሱራት ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝምልከት ሲምፖዝዮም ክካየድ’ዩ

ንእሱራት ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዝምልከት ሲምፖዝዮም ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 26 May 2016

fly

ንእሱራት ጋዜጠኛታት ኤርትራ ዝምልከት ሲምፖዝዮም ን28 ግንቦት ኣብ ኣመሪካ፣ ከተማ ዋሽንግተን ዲ ከባቢ ቨርጂንያ ክካየድ’ዩ።

እዚ ብግዱሳት ኣዕሩኽን መማህርትን እሱራት ጋዜጠኛታት ኤርትራ ዝተዳለወ ሲምፖዝዮም፣ ኣውራ ዕላምኡ፣ ነቶም ንሓያሎ ዓመታት ብዘይሕግን ፍርዲን ተኣስሮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ንምዝካሮምን፣ ስራሓቶም ከኣ ንምልላይን’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ሲምፖዝዮም፣ እቶም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ንሞያኦም ዝኸፈልዎ ዋጋ ንምጽንባል ዝዓለመ ብምዃኑ ወደብቲ እቲ ሲምፖዝዮም ይጠቕሱ።

 

ንሞያ እዞም እሱራት ጋዜጠኛታት ክብሪ ዘለዎም ግዱሳት ፣ ኣብቲ ካብ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ዝካየድ ሲምፖዝዮም ብኣካል ክሳተፉ’ውን ዕድመ ቀሪቡ ኣሎ።።

እቲ ብኣካል ክሳተፍ ዘይክኣል ከኣ ነቲ ሲምፖዝዮም ብቀጥታዊ ቪድዮ ስትሪክ ክከታተሎ ከምዝክእል ወደብቲ የሕብሩ።

ኣብ ኤርትራ ብውሕዱ 17 ጋዜጠኛታት ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕን ፍርድን ንልዕሊ 10 ዓመታት ተቀይዶም፣ ደሃዮም ጠፊኡ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0