ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይቕይዱ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይቕይዱ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 26 May 2016

Pol su

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ናብ ሊብያ ክሰግሩ ሓሲቦም ንዝበልዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ይቕይዱ ምህላዎም ካብታ ሃገር ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ካልእ ከባቢታትን በብእዋኑ ንዝሕዞም ዘሎ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከይጥርዞም’ውን ስግኣት ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን፣ መንግስቲ ግብጺ ንዝመለሶምን ኣብ ዶብ ሊብያ ንዝሓዞም ኣስታት 300 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልተ ጉጅለታት መቒሉ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ናብ ኤርትራ ከምዝመለሶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ይጠቕሱ።

 

ሬድዮ ኤረና ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ሸሞንተ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝቐየዱ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቶም ብ24 ግንቦት ዝተቐየዱ ሸሞንተ ተጣበቕቲ፣ ብስዉር መንግስቲ ንምዕላው ክሰርሑ ጸኒሖም ዝብል ክሲ ከምዝተመስረተሎም፣ ማእከል ንሰብኣዊ ንቕሓትን ምዕባለን ንዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ብምጥቃስ’ዩ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

መንግስቲ ሱዳን ካብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ኣብ ባህላውን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምንቕቃሕ ንዝነጥፋ ትካላት ጽኑዕ ምቑጽጻር ክገብረለን ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ኣካል ናይቲ ኣብ ትሕቲ ስለያ ሱዳን ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ናብ ክፍሊ መርመራ ገበን ክቐርቡ ድሕሪ ዘቕረብሎም ጻውዒት’ዮም፣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ንቤት ጽሕፈት እቶም ዝተቐየዱ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈተሹን፣ ንኮምፒተራቶም ድማ ከምዝወሰዱወንን ዝተፈላለዩ ትካላት ካብ ሱዳን ይሕብሩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0