ንኤርትራ ዝገለለ ዋዕላ ተበግሶ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጂቡቲ ተኻይዱ

Radio Erena: 28 June 2021

ሚኒስተራት ፋይናንስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ቁጠባ፣ ንግዲ፣ ወፍሪን ዲጂታላዊ ዕዳጋን ዘተኮረ ዋዕላ ኣብ ጂቡቲ ኣቃኒዖም።

ኣብቲ ብቀዳም 26 ሰነ ዝተኻየደ ዋዕላ ተበግሶ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሚኒስተራት ፋይናንስ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሶማልን ኬንያን ተሳቲፎም።

እዋናዊ ኣቦ መንበር ናይቲ ‘ተበግሶ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ ዝተሰምየ ዞባዊ ምትእኽኻብ፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ጂቡቲ፣ ኢልያስ ሙሳ ዱዋላ፣ ኣብ መጓዓዝያ፣ ጸዓት፣ ዲጂታላዊ ቁጠባ፣ ምምካት ወራር ኣንበጣን ካልእን ኣስታት3.3 ቢልዮን ዶላር ከምዘንቀሳቐሰ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ተበግሶ ኣበርክቶ ክህልዎም ዝኽእሉ ወከልቲ ናይ ከም ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ኢጋንድ’ውን ኣብቲ ዞባዊ ዋዕላ ተረኺቦም።

ኣብ ዋዕላ ተበግሶ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይተሳተፈት፣ ኣብቲ ዞባ እትርከብ እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ’ያ።

ኤርትራ ካብዚ ዞባዊ ዋዕላ ዝተገለለትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ምስሕሓብ ዛጊት ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ጂቡቲ ካብ ዝካየድ ዝኾነ ዞባዊ ዋዕላ ትግለል ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፣ ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ንጥፈታት ደስኪላ ከምዘላ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0