ንኤርትራ ሓዊሱ ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስግኣት ኮይኑ ዝጸንሐ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ስግኣቱ ተቐንጢጡ

Radio Erena: 04 March 2022

ንኤርትራ ሓዊሱ ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስግኣት ኮይኑ ዝጸንሐ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ስግኣቱ ከምዝተቐንጠጠ ውድብ መግብን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

FAO ኣብ መግለጺኡ፣ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተዋስኣሉ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኣስታት ክልተ ዓመታት፣ መጽናዕትን ምቁጽጻርን ክግበር ከምዝጸንሐ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት መግለጺ ውድብ መግብን ሕርሻን፣ ኣብ ኤርትራ፣ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን ንተኸታታሊ ክልተ ኣዋርሕ፣ ሓድሽ ዝጸፍይ ናይ ኣጻምእ ዕስለ ኣንበጣ ኣይተረኽበን።

እንተኾነ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሞሮኮን ደቡብ ኣልጀሪያን ዝሳግም ዘሎ ዕስለ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክሳብ ዝኣትው፣ እቲ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ መጽናዕትን ምቁጽጻርን ክቕጽል ምዃኑ ይግለጽ።

ምቕንጣጥ ሓደጋ’ዚ ዕስለ ኣንበጣ፣ ብወገን ቀይሕ ባሕርን፣ ስግር ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ዝርከባ ሃገራት፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክራማት እኹል ማይ ብዘይምራሙ እዩ፣ ዝብል ትንታነ ብክኢላታት’ቲ ዓውዲ ይወሃቦ።

እዚ ብናይ ኣጻምእ ዕስለ ኣንበጣ ክወርድ ካብ ዝኽእል ዕንወት ሩፍታ ተረኺቡሉ ዘሎ እዋን፣ ንዝቕጽል ኣዋርሕ እውን ከምዘለዎ ክጸንሕ ምዃኑ FAO የመልክት።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0