ንኤርትራን ዝገለለ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 31 May 2022

ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ ኣለዋ።

እቲ ካብ 29 ግንቦት ኣትሒዙ ዝጀመረ፣ ‘Red Wave 5’ ዝተሰምየ፣ ሓባራዊ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝትወደበ’ዩ።

ኣብዚ ልምምድ፣ ኣብ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት።- ሱዳን፣ ጂቡቲ፣ ሶማል፣ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጺን ዮርዳኖስን ይሳተፋ ኣለዋ።

ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዘዋስነን ሃገራት፣ ኣብዚ ልምምድ ዘይተሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ኤርትራን እስራኤልን ጥራይ’የን።

እስራኤል፣ ምስ ስዑዲ ዓረብን ዝበዝሓ ሃገራት እቲ ዞባን ዝምድና ዘይብላ ምስ ምዃና ካብዚ ልምምድ ክትግለል ምኽኣላ ይፍለጥ።

ኤርትራ ግና ካብዚ ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበን ክሳብ ሓሙስ 2 ሰነ ዝቕጽልን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝተገለለትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ፣ ተመሳሳሊ ስም ኣብ ዝተዋህቦ ልምምድ’ውን ኣይነበረትን።

ኤርትራ፣ ኣብቲ ብኣመሪካ ዝተወደብን፣ ኩለን ሃገራት እቲ ዞባ ዝሳተፍኦን፣ በብእዋኑ ዝካየድ ተመሳሳሊ ልምምዳት’ውን ኣይትሳተፍን’ያ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣቐዲማ ከተእንግዶ ኣብ ዝጸንሐት፣ ኣብ ወትሃደራውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘተኮረ ዋዕላታት ይኹን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምዳት ክትግለል ምጽንሓ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0