ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፣ ኣብ 24 ግንቦት ኵናት ምክያዶም ተገሊጹ

Radio Erena: 30 May 2022

ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፣ ኣብ 24 ግንቦት ኵናት ከምዝተኻየደ፣ ወትሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ሎሚ ሰኑይ 30 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኵናት፣ ኣብ ከባቢ ዓደ ኣውዓላ፣ ኣብ መንጎ ሕረትን ዓዲ ኣምሓራን ኣብ ዝርከብ፣ ጊሌ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተኻየደ ‘ዩ እቲ መግለጺ ናይቲ ወትሃደራዊ ኮማንድ ሓቢሩ።

ዓደ ኣውዓላ ካብ ባድመ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሒቓ እትርከብ ናይ ትግራይ ሓውሲ ከተማ’ያ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ክልተ በራጊድ ናይ ክፍለ ሰራዊት 57 ከምኡ ድማ ሓንቲ ቦጦሎኒ ናይ ክፍለ ሰራዊት 21 ናይ ኤርትራ፣ ነቲ ቦታ ንምቑጽጻር ኣብ ዝወፈራሉ እቲ ኵናት ከምዝተወልዐ ብምምልካት፣ ሓይልታት ትግራይ ብዘካየድዎ ጸረ መጥቃዕቲ ሓደ ኣዛዚ ብርጌድን ሰለስተ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒን ዝርከብዎም 120 ምውታቱን 195 ቁሱላትን ምዃኖም ጠቒሱ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፣ ኣርባዕተ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ክማረኹ እንከለዉ፣ ዶሽካን ራድዮ ርክባትን ዝርከቦ ሓያሎ ወትሃደራዊ ንዋት ተታሒዙ።

ብዛዕባ እዚ ብወትሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መልሲ የለን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ሓይልታት ትግራይ ንዝፍነወሉ መጥቃዕቲ ንምክልኻል መሰል ከምዘለዎ፣ ብ17 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ሓተታ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እቲ መንግስቲ ኣብ ሓተትኡ፣ ‘ጃንዳ ወያነ’ ንዝበሎም ሓይልታት ትግራይ፣ ናይ መወዳእታ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ንምክያድ ምድላዋቶም ከምዝወድኡ ብምጥቃስ፣ “ካብ ሕሉፍ መሪር ተመኲሮኦም ስለዘይተማህሩን ዘይመሃሩን፣ ህልቂት ናይ’ቲ ብስሙ ዝመጻደቑ ህዝቢ ትግራይ ስለዘየሕምሞም፣ እቲ እንኮ ዝዓጦም ነገር ስልጣኖም ጥራይ ስለዝኾነ፣ ሕጂ ንሳልሳይ ግዜ ከበሮ ኲናት ይሃርሙ ኣለዉ።” ክብል ኣመልኪቱ ኔሩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0