ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ደንካልያ ሓደ ጀርመናዊ በጻሒ ሃገር ተቐቲሉ

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ደንካልያ ሓደ ጀርመናዊ በጻሒ ሃገር ተቐቲሉ

Radio Erena: 06 December 2017

denkalia

ኣብቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታት ደንካልያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ንሓደ ጀርመናዊ በጻሒ ሃገር ከምዝቐተሉ ተገሊጹ።

እቲ ጀርመናዊ በጻሒ ምስ ሓያሎ ብጾቱ ናብቲ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዔርታ ዓለ ዝተባህለ እሳተ ጎመራ ዝርከበሉ ከባቢ ድሕሪ ምኻዱ’ዩ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝድገፉ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ዓፈር ከምዘለዉ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ንቕትለት ናይዚ ጀርመናዊ በጻሒ ሓለፍነት ዝወሰደሉ ኣካል ግና የለን።

ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት’ውን ኣብ ልዕሊ በጻሕቲ ሃገር ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ኣርባዕተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ሓሙሽተ ከኣ ተጨውዮም።

ኣብ 2007’ውን ብወገን ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ሓሙሽተ ብሪጣንያውያን በጻሕቲ ሃገራት፣ ንሓደ ሰሙን ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ዓፋር ተጨውዮም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብወገን ኤርትራ ከምዝተለቁን ካብ ኣስመራ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉን ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0