ንኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ጽዑቕ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ይርአ ምህላዉ ተሓቢሩ

ንኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ጽዑቕ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ይርአ ምህላዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 13 April 2016

Kassala

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ምብራቕ ጽዑቕ ወትሃደራዊ ምንቕስቓስ የካይድ ምህላዉ ምንጭታት ዜና ካብቲ ቦታ የመልክቱ።

ንሱዳንን ኤርትራን ዘዳውብ መስመር ከሰላ ተሰነይ’ውን ተዓጽዩ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ጠንቒ’ቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝርአ ዘሎ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ብጽኑር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ካብ ኤርትራ ገኒኑ ንዝርአ ዘሎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝርከብዎም ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

 

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0