መንግስቲ ኤርትራ፣ 13 መራሕትን ኣገልገልትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣሲሩ

መንግስቲ ኤርትራ፣ 13 መራሕትን ኣገልገልትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣሲሩ

Radio Erena: 13 April 2016

Er Or

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ልዕሊ 13 ዝኾኑ ሓለፍቲ ኣብያተ-ክርስቲያንን (ሊቃነ-መናብርት) ኣገልገልትን ካህናትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከምዝኣሰረ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ኣፍሊጡ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣስመራ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ንበጽሖ ሓበሬታ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ብተወሳኺ፣ እቲ መንግስቲ ኣቡን ቄርሎስ፥ ኣቡን ዮሓንስን ኣቡን ሰላማን ዝተበሃሉ ሰለስተ ጳጳሳት ካብ ምዱብ ስርሖም ክእለዩ ከምዝገበረ ሓቢሩ።

ኣብታ ቤተ ክርስትያን ኢዱ ዘርጊሑ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፣ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ካህናትን ዲያቆናትን ተሓድሶ፥ ጴንጠ፥ ጥርጡር፥ መናፍቕ፥ ደቂቀ-እንጦንዮስን ካልእን ብዝብል ናይ ጸለመ ስም ብምጥቃን ካብ ኣገልግሎት ከምዝስጎጉ ጌሩ ኣሎ።

 

እዞም ዝተሰጉ ውሉደ ክህነት ካብ ዝተፈላለያ ቤተክርስትያናት ክኾኑ እንከለዉ፥ ብዝያዳ ዳማ ካብ ርእሰ ኣድባራት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝሓዝ፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ-ምሕረት ሰምበል፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል 35ኛ፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጀረት፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ ቲራቮሎን ካብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ-ዓለም ገዛ ባንዳን ከምዝኾኑውን መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ይጠቕስ።

ናይዞም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብሃንደበት ዝተኣስሩ ሓለፍትን ኣማሓደርትን ካህናት ኣስመራ ምኽንያቶም እኳ እንተ ዘይተገልጸ እቶም ንዘይሕጋዊ መሪሕነት ኣባ ሉቃስ ክቃወሙን ከስግኡን ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ እሙናት ካህናት ንምጥፋእ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኣልመ ውዲት ምዃኑ ይእመት።

ብፍላይ ድሕሪ ሞት’ቶም ብሕርያ መንግስቲ ዝተሸሙ ራብዓይ ፓትርያርክ ኤርትራ ነበር ኣቡን ዲዮስቆሮስን ምብርዓን ዕርቂ ጳጳሳትን ከኣ ብዝኸፍአ ግብርን ብዝበዝሐ ቁጽርን እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ውሑዳት ምሁራትን ንፉዓት ሰበኽትን ውሉደ-ክህነት ተዋሕዶ ብኣባ ሉቃስን ተሓባበርቶም መንእሰያት ማሕበረቅዱሳን ኪዳነ-ምሕረት ማይ ተመናይን ክህደኑ ጸኒሖም እዮም።

ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ጉዳይ መንፈሳዊ ዕርቂ ጳጳሳት ምስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብዙሕ ጻዕሪ ዝገብሩ ኣባ ክብርኣብ ዝበሃሉ መነኮስ ገዳም ደብረ ቢዘን፡ ከምኡውን እቲ ብጣዕመ-ስምከቱ፥ ብትሕትናኡን ሊቅነቱን ኣብ መንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ግብጺ ዘመስከረ ሊቀ-ማእምራን መሪጌታ ሰመረ-ኣብ ወልደገብርኤል ብክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ 6ይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ሃላዋቶም ካብ ዝጠፍእ ድሮ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ንሊቃውትን መራሕትን ተዋሕዶ ዝኾኑ ኣቦታት ከም በዓል ቀሺ ገብረ መድኅን ገብረጊዮርጊስ፥ ዶ/ር ቀሺ ፍጹም ብርሃን ገብረንጉስ፥ ዶ/ር ቀሺ ተኽለኣብ መንግሥተኣብ፥ ዘውገ-ምሁራን ይትባረክ በርሀ፥ መምህር ተወልደብርሃን ዓንደምስቀል፥ መምህር ዓምደብርሃን ገብረማርያም፥ መሪጌታ ተወልደመድኅን መንግስቱ፥ መጋቤ ምስጢር መብራህቱ ሞባእ፥ ኣባ ኣምኃ፥ ኣባ ተኽለሃይማኖት፥ ኣባ ኃይለሚካኤልን ካልኦት ኣስማቶም ዘይተጠቕሰ መንፈሳውያን ኣገልገልቲ ካህናትን መነኮሳትን ንገሊኦም ብዘይ ዝኾነ ክሲ ንዓመታት ክእስሮም እንከሎ፣ ንገሊኦም ካብ ኣገልግሎት ከምዝኣለዮም ይዝከር።

ብምእሳር ሊቃውንቲ ካህናትን ምሕያር ሳልሳይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስን፣ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣቶ ዮፍታሄ ዝጀመረ ምዕናውን ምብትታንን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ገና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብዝሰፍሐ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ( http://tewahdo.org ) የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ንሕጋዊ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ቅዱስ ኣቡን እንጠንዮስ ካብ 2005 ካብ መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ብምእላይ ሓይርዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ ካብ ሕጊ ‘ታ ቤተክርስትያን ወጻኢ፣ ጀነራላትን ሚኒስተራትን ኣብ ዝተረኽብሉ ንኣቡን ዲዮስቆሮስ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ክኾኑ እኳ እንተሸሞም፣ ካብ ኣብያተ ክርስትያናት ዓለም ተቐባልነት ስለዘይረኸቡ፣ ክሳብ ዕለተ ሞቶም ካብ ኣሕዋት ቤተክርስትያናት ተነጺሎም ምጽንሖም ይፍለጥ።

ድሕሪ ሞት ኣቡን ዲዮስቆሮስ ከኣ፣ ሕጋዊ ፓትርያርክ ኣቡን እንጠንዮስ ናብ መንፈሳዊ ቦትኦም ክምለሱን እታ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ክልተ ተገሚዓ እትርከብ ቤት ከርስትያን ተዋህዶ ደጊማ ንኽትሓብር ዕርቒ ክግበርን ካብ መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመንን ጻውዒት ይግበር እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ነዚ ጸማም እዝኒ ብምሃብ፣ ሓድሽ ፓትርያርክ ንምሻም’ዩ ውዲታት ዝኣልም ዘሎ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0