ንኢትዮጵያ ዝውዕል፣ እኽሊ ረዲኤት ጽዒና ካብ ዩክረይን ዝተበገሰት ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ናብ ወደብ ጂቡቲ ኣትያ

Radio Erena: 31 August 2022

ንኢትዮጵያ ዝውዕል፣ እኽሊ ረዲኤት ጽዒና ካብ ዩክረይን ዝተበገሰት ናይ ጽዕነት መርከብ፣ ናብ ወደብ ጂቡቲ ኣትያ።

እታ ‘ብረይቭ ኮማንደር’ ዝተሰምየት፣ ብውድብ መግቢ ዓለም ዝተዓደገ 23 ሽሕ ቶን እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ፣ ብሰሉስ 30 ነሓሰ እያ ጂቡቲ ኣትያ።

ራሻ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ናይ መጀመሪያ ጽዕነት እኽሊ ዝሓዘት እዛ መርከብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘሎ ኲናት ሓድሕድን፣ ብሓፈሽኡ ከኣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂን ንዝተሃስየ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝውዕል ረዲኤት ዝሓዘት እያ።

ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሶማልን፣ ኣብ ኣፈፌት ዓጸቦ ዝርከባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃነን፣ ውድብ መግቢ ዓለም ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ’ዩ።

እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ተወሊዑ ብሰንኪ ዘሎ ኲናት፣ ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝጸንሐ ረዲኤታዊ ንጥፈታት ደው ኢሉ ምህላዉ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብፍላይ’ቲ ብመስመር መጎዓዝያ ምድሪ ናብ ትግራይ ክባጻሕ ዝግቦኦ ረዲኤት፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ እቲ መንገድታት ብምዕጻዉ፣ ንስርሖም ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ትካላት ረዲኤት ሓቢሮም።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ናብ ትግራይ ዝጎዓዓዝ ዝነበረ ረዲኤት ደው ከምዘበለ ዝገልጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ነቲ ድሮ ትግራይ ኣትዩ ዘሎ ረዲኤት ናብ ህዝቢ ኣብ ምክፍፋል ተሓጺሩ ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ካብ ዩክረይን ዝተሸመተ 23 ሽሕ ቶን እኽሊ ረዲኤት፣ ብመጎዓዝያ ኣየር ድዩ ናብ ትግራይ ክበጽሕ ወይስ ካልእ ሜላ ክፍጠረሉ’ዩ ንዝብል ሕቶ፣ ውድብ መግቢ ዓለም ዝኾነ ምላሽ ኣይሃበሉን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0