ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ክትመሓደር ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ተክኒክ ሓጋዝ ብመንግስቲ ኤርትራ ተሃጊራ

Radio Erena: 31 August 2022

ብካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ክትመሓደር ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ተክኒክ ሓጋዝ ከምዝሃገራ ምንጭታት ካቶሊካውያን ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

እታ ብኣሕዋት ክርስቲያን ላሳለ ክትመሓደር ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ተክኒክን፣ ብዕለት 23 ነሓሰ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኣተወት እዮም እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ንኣመሓደርቲን ኣባላትን’ታ ቤት ትምህርቲ ክሳብ መጀመሪያ ወርሒ መስከረም ጥራይ ክጸንሑ ከምዝሓበርዎም ዝገልጹ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኩነታት ሰላም ስለዝኸልኦም ብእዋኖም መፍትሕ ኣረኪቦም ከምዝወጹ ሓቢሮም።

ንልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ላሳለ ክትመሓደር ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ተክኒክ ሓጋዝ፣ ምስ ሕርሻ ዝተኣሳሰር ዓውዲ ፍልጠት፣ ምክንኻንን ምፍራይን እንስሳታት፣ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ዝኣመሰሉ ስልጠናታት ክትህብ ጸኒሓ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ክመሓደራ ዝጸንሓ ልዕሊ 29 ትካላት ጥዕናን፣ ብዝሒ ዘለወን ቤት ትምህርታትን መዋእለ ህጻናትን ሃጊሩ እዩ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ እውን ኣብ ደቀምሓረ ንእትርከብ ቤት ትምህርቲ ተክኒክ ዶን ቦስኮ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዋ መደብ ከምዘለዎ፣ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ‘ካቶሊክ ሪፖርተር’ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

ቤት ትምህርቲ ተክኒክ ዶን ቦስኮ ደቀምሓረ፣ ኣብ ጽላታት ህንጻ፣ ሓጺን፣ መካኒክን ጽርበት ዕንጸይትን ዝርከቦም ተክኒካዊ ስልጠናታት፣ ዓመታዊ ን160 ተመሃሮ እንዳሃበት፣ ኣገልግሎት እትገብር ዘላ ቤት ትምህርቲ እያ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣቐድም ኣቢሉ ዝሃገረን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ልዑል ተራ ዝጻወታ ዝነበራ፣ ቤት ትምህርታትን ትካላት ጥዕናን፣ መብዛሕትአን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይነን ዓንየን፣ እተን ዝተረፋ ሒደት ከኣ ብዋሕዲ ቀረብ እንዳተሳቐያ፣ ንስሙ ጥራይ ተኸፊተን ምህላወን ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0