ንኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ ዘራኽብ መስመር ሻምብቆ ጋዝ ክስራሕ’ዩ

ንኢትዮጵያ ምስ ጂቡቲ ዘራኽብ መስመር ሻምብቆ ጋዝ ክስራሕ’ዩ

Radio Erena: 17 February 2019

ኢትዮጵያ ምስ ናይ ጂቡቲ ወደብ ዘራኽባ ናይ ጋዝ ቱቦ ክትዝርግሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሺን ሁዋ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ማዕድን ኢትዮጵያ ብወገኑ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ትማሊ 16 ለካቲት ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ 765 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ሻምብቆታት ጋዝ ዘጠቓለለ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ነዚ ካብ ዞባ ሶማሊ ናይ ኢትዮጵያ ክሳብ ወደብ ጂቡቲ ዝዝርጋሕ ሻምብቆታት ጋዝ ንምህናጽ፣ ፖሊ ጂ.ሲ.ኤል. ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ኩንትራት ከምዝወሰደ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢላ ኢትዮጵያ ካብ ዞባ ሶማሊ ካብ ዝርከብ ጋዝን ካልእ ባህርያዊ ሃብትን፣ ዓመታዊ ከባቢ 1 ቢልዮን ዶላር ከም እተእትወሉ ኣፍሊጣ’ያ።

ምህናጽ ሻምብቆታት ጋዝ ኢትዮጵያ-ጂቡቲ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ክጅምር ምዃኑ ሚኒስትሪ ማዕድን ኢትዮጵያ’ኳ እንተፍለጠ፣ ክንደይ ባጀት ተሰሊዑሉ ከምዘሎ ግና ኣይሓበረን።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0