ጻውዒት ህዝቢ ሱዳን፣ ዓወት ክረክብ ድሌት ኣመሪካ ምዃኑ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ገሊጹ

ጻውዒት ህዝቢ ሱዳን፣ ዓወት ክረክብ ድሌት ኣመሪካ ምዃኑ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ገሊጹ

Radio Erena: 17 February 2019

ጻውዒት ህዝቢ ሱዳን ንፖለቲካዊ ለውጢ፣ ዓወት ክረክብ ድሌት ኣመሪካ ምዃኑ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ገሊጹ።

ማይክ ፓምፐዮ ብዕለት 14 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እዚ ብህዝቢ ሱዳን ተላዒሉ ዘሎ ሕቶ ፖለቲካዊ ለውጢ፣ ግቡእ ምላሽ ረኺቡ ሱዳን ናብ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ምሕደራ ክትሰጋገር ድሌት ሃገሩ ምዃኑ ገሊጹ።

ማይክ ፓምፐዮ ንህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ክድግፍ ናይ መጀመሪያ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን እዩ።

ወሃብ ቃል ናይቲ ብተቓወምቲ ውድባት ቆይሙ ዘሎ ልፍንቲ ያሲር ኣርማን፣ ንደገፍ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ናይ ካልኦት ሃገራት ሰበስልጣናት ከኣ ኣሰሩ ብምስዓብ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣልበሽር ጸቕጢ ክፈጥሩ ጸዊዑ።

‘ህዝቢ ሱዳን ብዘይዝኾነ ናይ ደገ ሓይልታት ምትእትታው፣ ጉዳዩ ባዕሉ ክፈትሕ ዝኽእል ህዝቢ’ኳ እንተኾነ፣ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ንክህሉ ደገፍ ጸለውቲ ሃገራት ከምዘድልዮ እቲ በዓልስልጣን ገሊጹ።

ብኣንጻር’ቲ ካብ ሓይልታት ጸጥታ ዝወሃቦ ዘሎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ግብረ ምላሽ፣ እዚ ክልተ ወርሒ ኣቑጺሩ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን፣ ኣብ ጎደናታት ብምምራሽ፣ ኮፍ ብምባል፣ ኣኼባታት ብምክያድን ካልእ ሜላታትን መዓልታዊ ይቕጽል ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0