ንብሪጣንያን ፈረንሳን ዘራኽብ ወደብ ካሌ ብመንደቕ ይሕጸር ኣሎ

ንብሪጣንያን ፈረንሳን ዘራኽብ ወደብ ካሌ ብመንደቕ ይሕጸር ኣሎ

Radio Erena: 05 October 2016

Calais

ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ንብሪጣንያን ፈረንሳን ዘራኽብ ወደብ ካሌ ብመንደቕ ይሕጸር ኣሎ።

እቲ ብመንደቕ ክሕጸር ጀሚሩ ዘሎ ከባቢታት ካሌ፣ መብዛሕቱ መራኽብ ናብ ዝጽግዓሉ ከባቢ ወደብን መንገዲታት ባቡርን’ዩ።

እዚ ኣስታት ሓደ ኪሎሜተር ዝንውሓቱን፣ ኣርባዕተ ሜትሮ ከኣ ዝቑመቱን መንደቕ፣ ነቲ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለኑ ስደተኛታት ዝተኣኻኸብሉ ብጃንግል ወይ ጣሻ ዝፍለጥ ከባቢ ክንጽሎ’ዩ።

ወደብ ካሌ ብመንደቕ ናይ ምሕጻሩ ተበግሶ ዝተወስደ፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ፈረንሳን ብሪጣንያን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት’ዩ።

ኣቐዲማ ኣብ ወደብ ካሌ ንዝካየድ ምቁጽጻር ስደተኛታት ሚልዮናት ኤውሮ ክትከፍል ዝጸንሐት ብሪጣንያ፣ 2. 7 ሚልዮን ኤውሮ ዝተገመተ ወጻኢታት መህነጺ እዚ መንደቅ’ውን ባዕላ ክትክእሎ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ መንደቕ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ።

ብሪጣንያ ኣቐዲማ’ውን ብናይ ስልኪ ገመድ( ትሪኮላታ) ንሓያሎ ክፋል ወደብ ካሌ ከምዝዓጸወቶ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝተበጽሐ፣ ምህናጽ መንደቕ፣ ምቛም ብስልኪ ዝተሰርሐ ሓጹር (ትሪኮላታ)ን ካልእ ስደተኛታት ንምግታእ ዝተገብረ ናይ ኣስታት 20 ሚልዮን ኤውሮ ስምምዓት፣ ንሓያሎ ዜጋታት ፈረንሳ ኣቖጢዑ ይርከብ።

ከንቲባ ካሌ ናታሻ ቡሸር፣ ብሪጣንያ ኣብ ወደብ ካሌ መንደቕ ክትሃንጽ፣ ንሪፖብሊካዊት ፈረንሳ ውርደት’ዩ ብምብል፣ ንምህናጽ እቲ መንደቕ ደው ንምባሉ ዝከኣላ ክትጽዕር ምዃና’ያ ሓቢራ።

እንተኾነ ዞባዊ ምምሕዳር ሰሜን ፈረንሳ፣ ነቲ ውሳኔ ስለዝደገፎ፣ ካብ 20 መስከረም ጀሚሩ እቲ መንደቕ ኣብ ምህናጽ ይርከብ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0