ንመላእ ኣፍሪቃ ዝሓቁፍ ናይ ንግዲ ዞባ ንምቛም ስምምዕ ዘይከተመት ሃገር ኤርትራ ጥራይ ተሪፋ

Radio Erena: 07 July 2019

ንመላእ ኣፍሪቃ ናይ ንግዲ ዞባ ንምቛም ስምምዕ ከይከተማ ካብ ዝጸንሓ ናይ መወዳእታ ክልተ ሃገራት፣ በኒን ነቲ ዞባ ተጸምቢራቶ።
ኮሚሽነር ንግዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ በኒን ኣባል ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ንምዃን ብወግዒ ዝፈረመት መበል 54 ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ ኢሉ።  
ናይጀሪያ፣ ኤርትራን በኒንን ብዘይዝኾነ መግለጺ ነቲ ሕብረት ከይተጸምበራኦ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ናይጀሪያ ስግኣት ብሕታውያን ኣውፈርቲ ኣብ ግምት ብምእታው ተዳናጉያ ከምዝጸንሐት ብምሕባር ክትፍርም እንከላ፣ በኒን ግና ንምድንጓያ፣ ዛጊት መግለጺ ኣይሃበትሉን።
ኣብዚ እዋን’ዚ ንመላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝጥርንፍ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ዘይተጸምበረት ሃገር፣ ኤርትራ ጥራይ ኮይና’ላ።
እቲ ዝምስረት ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ ካብን ናብን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ንግዲ፣ ስማዊ ወይ ከኣ ናጻ ካብ ቀረጽ ክኸውን እንከሎ፣ ምንቅስቓስ ደቂሰብ ከኣ ብናጽነት ዝፈቅድ እዩ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሩዋንዳ ወግዓዊ እማመ’ቲ ናይ ንግዲ ዞባ ምስ ተገልጸ፣ 44 ሃገራት ኣፍሪቃ ብኡ ንብኡ እየን ፈሪመናሉ።
እዚ ልዕሊ 2.5 ዶላር ትሪልዮን ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ማለት ጂ.ዲ.ፒ. ከንቀሳቕስ ትጽቢት ዝግበረሉ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ፣ 90 ሚእታዊት ናጻ ምንቅስቓስ ኣቑሑ ክፈቅድ እንከሎ፣ ተኣፋፊ ንዝበሎ 10 ሚእታዊት ከኣ ዝርርብ ክካየደሉ ምዃኑ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0