‘’መርማሪት ጉጅለ ው.ሕ.ሃ. ኣብ ኤርትራ፣ ስርሓ ክትቅጽል ኣለዋ’’ ህዩማን ራይትስ ዎች

Radio Erena: 07 July 2019

መንግስቲ ኤርትራ ዘካዪዶ ዘሎ ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላት ደው ክሳብ ዘብል፣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመት መርማሪት ጉጅለ ስርሓ ክትቅጽል ኣለዋ ክብል ህዩማን ራይትስ ዎች ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረቦ መተሓሳሰቢ፣ እቲ ባይቶ ንመንግስቲ ኤርትራ ከም ኣባል ምቕባሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብጌጋ ተረዲኡዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ምዃን ንኩሉ ሕግታትን መትከላትን’ቲ ባይቶ ምቕባል ከምዝኾነ ድሕሪ ምዝኽኻር እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዘካዪዶ ዘሎ ምግሃስ መሰላት ዓለም ከምዘይረኣየቶ፣ ወይከኣ ከምዝደገፈቶ መሲሉ ይቐርብ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ጀኔቫ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቆላሕታ ተዋሂቡወን ዘለዋ ሃገራት ኮይና፣ ዋላ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዘካዪዶ ዘሎ ግፍዒ ብሰፊሑ ይቕጽሎ ከምዘሎ ተገሊጹ’ዩ።
ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት እውን፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላት መግለጺታትን መርትዖታትን ብምቕራብ ንተጋባእቲ መብርሂታት ሂቦም እዮም።
ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ብወገና፣ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ዝተወስደ ስጉምቲን፣ ምህጋር ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ከም ኣብነት ብምጥቃስ፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ኩሉ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ክፍታሕ’ዩ ኢሉ ክኣምን ንዝጸንሐ ዝበዝሐ ክፋል ማሕበረሰብ ዓለም፣ ማይ ዓሚኹ ክተርፍ ከምዝገበሮ ገሊጻ።
ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም ወትሩ ንኩሉ ዝቐረበ ክስታት ብምንጻግ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምጽላም ዝተኣልመ ውዲት’ዩ ክብል ምላሽ ሂቡሉ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0