ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ፣ ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ተፈቲሖም

Radio Erena: 29 December 2022

ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ፣ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ዘመንበረ ሰገነይቲ፣ ኣባ ፍቕረማርያም ሓጎስ ከምዝተፈትሑ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

ኣባ ፍቕረማርያም ድሕሪ ምፍትሖም፣ ኣብ ቅዳሴ እናተሳተፉን ህዝቢ ሰላም እናበሎምን ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተዘርጊሑ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክገብሮ ዝጸንሐ ጸቕጢን ምፍርራሕን ንኣባ ፍቕረማርያም ከምዝኣሰሮም ‘ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን ካልኦት ካህናንት ድያቆናትን ከምዝኣሰረን ከምዝገፈፈን ይፍለጥ።

ኣባ ፍቕረማርያም፣ ካብ መገሻ ኣብ ዝምለስሉ ዝነበሩ እዋን፣ ብ15 ጥቅምቲ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፣ ብሓይልታት ጸጥታ ተኣሲሮም’ዮም ተወሲዶም።

ማእሰርቶም ምስቲ ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ፣ ኣብ ኣኽሩር ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝተፈጸመ ግፋ መዘምራን ዝርከብዎም ኣመንቲን ድሒሩ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ኣሳእልን ከምዝተሓሓዝ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ይጠቕሱ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከም ልማዱ፣ ብዛዕባ ማእሰርቶም ይኹን ምፍትሖም ኣይሓበረን።

እቲ መንግስቲ፣ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንዝውነን ናይ ትምህርትን ጥዕናን ትካላት ክህግር ከምዝሓገየ ይፍለጥ።

ብምግሃስ መሰል ሃይምኖታት ምስ ቀዳማት ዝስራዕ እቲ መንግስቲ፣ ካብ 1992 ኣትሒዙ፣ ምስ እምነት ብዝተሓሓዝ በብእዋኑ ኣማኢት ኣመንቲን መራሕቲ ሃይማኖታትን ኣሲሩ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0