ሓይልታት ትግራይ ዓጢቖሞ ዝጸንሑ ከበድቲ ብረታት ሎሚ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምርካብ ክጅምሩ’ዮም

Radio Erena: 29 December 2022

ኣርካይቭ ኢንተርነት

ሓይልታት ትግራት፣ ዓጢቖሞ ዝጸንሑ ከበድቲ ብረታት ካብ ሎሚ ሓሙስ 29 ታሕሳስ ንሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከረክብ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ፣ ኣምኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሰን ገሊጹ።

እቲ ኣምባሳደር፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ልኡኽ ጉጅለ መንግስቲ ዘካየዶ ናይ መቐለ ዑደቱ ምዝዛሙ፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቅዋማዊ ተልእኾኡ ንምፍጻም ናብ መቐለ ምውፋር ከምዝጅምር’ውን ኣረጋጊጹ።

ትግባረ ምቁራጽ ቶዅሲ ንምቅልጣፍ፣ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ይሰርሕ ከምዘሎ ዝገልጽ መንግስቲ ብወገኑ፣ ኣብ ዓድዋ ንግዳዊ ባንክ ምጅምሩ ኣፍሊጡ።

ንኣስታት ክልተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝነበረ ህዝባዊ መጓዓዝያ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ መቐለ፣ ብ28 ታሕሳስ ዳግም ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብ 2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቝራጽ ተጻብኦታት፣ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይምትዕንቓፍ ክባጻሕ፣ ኣብ ትግራይ ተቛሪጹ ዝርከብ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅምር፣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቖም ክፈትሑ ዝብል ነጥብታት ዝሓቖፈ ምዃኑ ይዝከር።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ምስ ተፈጥረ፣ ናብ ጎነጽ ዘምርሐ ምስሕሓብ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሕ እቲ ወሳኒን ካልኣይ መድረኽን እኳ እንተኾነ፣ ህላዌ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ኣብ ክልል ትግራይ ምትዕንቓፍ ከይፈጥር ስግኣት ኣሎ ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ’ቲ ከባቢ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0