‘’ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ’ዩ ዝጅምር’’ ህዩማን ራይትስ ዎች

Radio Erena: 11 August 2019

ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝኾነ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ካብ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ’ዩ ዝጅምር ክብል ህዩማን ራይትስ ዎች ከሲሱ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብዓርቢ 9 ነሓሰ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፣ መዛዘሚ ላዕለዋይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ መዓስከር ሳዋ ብምዃኑ፣ መንእሰያት ኤርትራ ገና ትምህርቶም ከይወድኡ ድሮ ወተሃደራት ይኾኑ ከምዘለዉ ብምግላጽ፣ እቶም መንእሰያት ብሩህ መጻኢ ከምዘይረኣዮም ይገብር ምህላዉ ሓቢሩ።
መንእሰያት ካልኦት ሃገራት ዓለም ንዕረፍቲ ኣብ ዝኸዱሉ ኣብዚ ወቕቲ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ተመሃሮ ብኣንጻሩ፣ ናብዚ ሕሱም ኣተሓሕዛ ዘለዎ መዓስከር ክወርዱ ምዃኖም ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ክገብር ዝኾነ ምኽኒያት ከምዘይብሉ ይሕብር።
ህዩማን ራይትስ ዎች ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ከም መመሳመሲ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ዶባዊ ኲናት ተወዲኡ ስለዝኾነ፣ መንእሰያት ተመሃሮ ብሩህ መጻኢኦም ዘማዕዱዉሉ ኩነታት ክፈጥር ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ካብ ተመሃሮ መዓስከር ሳዋ ነበር ዝተኣከበ ሓበሬታ ዝበሎ ከምዘመልክቶ፣ መማህራን ንርእሶም በስገዳድ ዝመጹን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝኾኑን፣ መንእሰያት ትምህርቶም ብግቡእ ዋላ እንተተኸታተሉ ዘምጽኡዎ ለውጢ ከምዘየለ ብዓውታ ከምዝዛረቡ ይገልጽ።
ከምዝፍለጥ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ዝርከቡ ሓያሎ ኤርትራውያን ነዚ ኣብ መዓስከር ሳዋ ዝካየድ መዛዘሚ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክቃወምዎ ይረኣዩ ኣለዉ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ መወዳእታ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ንመንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ዝገብሩ ኣካላትን፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ደው ከብል፣ ንመንእሰያት ተመሃሮ ከኣ መጻኢኦም ባዕሎም ክውንኑ ከፍቅድ ጸቕጢ ክገብሩ ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0